banner

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዘመነ ክረምት 

ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘጥልለሉ፣ ኣፍላጋትን ወኃይዝን ዝመልእሉ፣ ኣትክልትን ኣእዋምን ድማ ብልምላሜን ብቘጽልን ወቂቦም ዝረኣይሉ ወቕቲ እዩ።

ኣብ ጊዜ ክረምቲ ካብ ማያት፡ ጠሊ ብኃይሊ ነፋሳትን ሙቘትን ተኃጊዙ ናብ ኣየር ይዓርግ እሞ ኣብ ደመና ተዓቝሩ ዝናም ይዘንም። ዘርኢ ኣብ ማኅፀነ ምድር ተፀኒሱ ይውለድ፣ ብነፋስ ነቒጹ ብፀሓይ በሲሉ ኸኣ ኣብ ፍረ ይበጽሕ። እዚ ዅሉ ዝኸውን ብኃይልን ትእዛዝን እግዚአብሔር እዩ። 

"በዝክረምት ዘመዋዕሊነ: ዘእንበለ ፍሬ እንዘ በቈጽል ሀሎነ: ናስተበቍዓከ በክረምት ኢይኩን ጕያነ::"
ኣብ ክረምት ዝተባህለ ዕድሜና: ብዘይ ፍረ (ብዘይ ሠናይ ግብሪ)  ኣብ ልምላሜ ከለና፡ ኦ ጐይታ ጕያና ብክረምት ከይከውን (ሞት፡ምጽኣት ከይረኽበና) ንልምነካ ኣሎና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195