banner

ቅዱሳን ኣርድእት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን ኣርድእት

‘ረድእ’ ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጒሙ ኸኣ ኣገልጋሊ፡ ተመሃሪ፡ ወደ መዝሙር፡ ንትምህርቲ ዚረድእ፡ ዘረድእ፡ ኣማኒ፡ ምእመን፡ ሓቀኛ ክርስቲያን፡ ትምህርተ ክርስቶስ ኣዝዩ ተረዲእዎ ዚፈለጠ ማለት እዩ። በዚ መሠረት ኣርድእት ማለት ድማ ኣገልገልቲ፡ ረዳእያን፡ ተመሃሮ፡ ደቀ መዛሙርት . . . ማለት እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ፡ ካብቶም ንትምህርቱ ዝሰምዑን ንተኣምራቱ ዘድንቕኑን ዝነበሩ፡ ድኅሪ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ዝመረጸ ንሰብዓን ክልተ ኣርድእት እዩ።

ቅዱሳን ኣርድእት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝወዓሎ እናወዓሉ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ብትምህርተ ወንጌል ምስ ሠልጠኑ ንሓዋርያት እናተኸተሉ ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፉ።“ወእምዝ ኃረየ እግዚእነ ካልአነ ሰብዐ፡ . . . / ድኅር’ዚ ጐይታ ካልኦት ሰብዓን ክልተን ኃረየ። በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። ከምዚ ኸኣ በሎም . . . ” ሉቃ. 10፡1።

እዞም ቅዱሳን ኣርድእት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝዓርግ ኣብ መበል ዓሥራይ መዓልቲ ኣብ በዓለ ኀምሳ ኣብ ጽርሐ ጽዮን ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያትን ሠላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳት ኣንስትን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ንስብከተ ክርስትና ንተልእኾ ወንጌል ብዝግባእ ኣገልገሉ። 

ሰብዓን ክልተን ዚበሃሉ እነመን እዮም፧ ንዝብል ሕቶ ኣስማቶም ገሊኦም ኣብ ቅዱስ ወንጌል፡ ገሊኦም ኣብ ግብረ ሓዋርያት፡ ገሊኦም ኣብ መልእክታት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ተጠቒሶም ኣለዉ።

ፍሉጣት ዝጥቀሱ በዓል ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ፡ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ፡ ቅዱስ ያዕቆብ እኍሁ ለእግዚእነ፡ ቅዱስ እስጢፋኖስ ምስ ኃሙሽተ ዲያቆናት፡ ቅዱስ በርናባስ፡ ቅዱስ ሃናንያ፡ ቅዱስ ቀሌምንጦስ፡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ፡ ቅዱስ ቲቶ፡ ቅዱስ ሲላስ . . . ።

ሰብዓ ኣርድእት በዓል ቅዱስ ማርቆስን ቅዱስ ሉቃስን ብዝጸሓፍዎ ነናቶም ወንጌል፡ ቅዱስ ቀሌምንጦስ ብዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ . . . ንጸልማት ዓለም ኣብርሁ። ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ ንሕዝበ ክርስቲያን ብጽቡቕ ኣመኃደሩን መርሑን።

“ሑሩ ወመሐሩ” ዝበሎ ኣምላካዊ ቃል ኣብነት ብምግባር ምስቶም ነዚ ዓለም ዕፃ ብዕፃ ዝተኻፈሉ ሓዋርያት ሓደን ክልተን ኮይኖም ንሓደ ሓዋርያ ተኸቲሎም ስብከተ ወንጌል ኣስፋሕፍሑ። ንብዙኃት ሰባት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔርን ግብረ ሠናይን መለሱ። እንተኾነ ካብ ጸላእተ ሠናይ ኣይሁድን ኣሕዛብን ብዙኅ ፀዋትወ መከራ ተቐበሉ። ከም በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኣይሁድ ተቐትሉ። ብስሕለት ሰይፍን ብዋዒ እሳትን . . . ዝበዝኁ ብሰማዕትነት ኃለፉ።

እንሆ ድማ እታ ብደሞም ዝጸደቐት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ወትሩ ብጸሎቶም እናተማኅፀነት ትዝክሮም እኳ እንተኾነት ብፍሉይ ግን ብኃባር ንዅሎም “ ዛቲ ዕለት ተዝካሮሙ ለ፸ወ፪ቱ ኣርድእት/ እዛ ዕለት እዚኣ መዘከርታ ናይ 72 ኣርድእት እያ” ብምባል ብዕለተ 05 ሐምሌ ትዝክሮም።

ሎሚ’ውን ኣብ ገዳማትና ነዞም ኣርድእት መዘከርታ ዝኾኑን ኣርኣያ ዝስዕቡን ብኣርድእቲ ዚጽውዑ ኃይሊ ገዳም ኮይኖም ነቶም ዓበይቲ መነኮሳትን ባሕተውትን ጸለይትን ዚኅግዙ ኣርድእቲ ይበሃሉ እዮም።

ሰላም እብል በቃለ ስብሐት ወውዋዔ፣ አርድእተ ክርስቶስ ሰብዓ ለለአስማቲክሙ በጽዋዔ፣ አህጉራተ ዓለም ኵሉ አመ ፈነወክሙ በበክልኤ፡ ዘረወ ኢምእመነ እምነ ምእመናን ጉባኤ፣ በአእዳዊክሙ ዘተፀውረ መስዔ።

በረከት ሰብዓ አርድእት የሳትፈና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195