banner

“አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር” ሉቃ. 1፡19

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር/ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ሉቃ. 1፡19

ቅዱሳን መላእኽቲ፦ ልኡኻን እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሓጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት . . . ወዘይመስሎ እዮም።

ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ/ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማያትን ምድርን ምሉእ እዩ” እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4, ራእ. 4፡8) ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ራእይ መጽሓፉ (8፡2) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝብሉ ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ ርኣኹ ዝበሎ ንሊቃነ መላእኽቲ እዩ። ሓደ ካብዞም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

ገብርኤል፦ ማለት “ኣምላክ ወሰብእ/ ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፡ ሰብ ከሎ ድማ ኣምላኽ ዝኾነ”፤ ከምኡ ውን “ኃይሊ እግዚአብሔር እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ብተወሳኺ’ውን “ገብር” ማለት ኣገልጋሊ እዩ፤ “ኤል” ከኣ እግዚአብሔር ማለት እዩ።

ነቢይ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ብዛዕባ ቅዱስ ገብርኤል ኪገልጽ ከሎ፡ “ገብርኤል ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያትን ኣብ ልዕሊ ገነትን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ዝተሸመ ካብቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እቲ ሓደ እዩ።” (መጽ. ሄኖ. 6፡7)

ብተወሳኺ ድማ ሓደ ካብቶም ምእንቲ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኪልምኑን ኪጽልዩን ዚነብሩ መላእኽቲ ምዃኑን “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኃይሊ ሥልጣን ዘለዎ፡ ቅዱስ ገብርኤል እዩ” ይብል። (መጽ. ሄኖ. 10፡7-13)

ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን

1. ሳጥናኤል ዝብሃል ዝነበረ ዲያብሎስ “ፈጣሪ እየ፡ ንኣይ ሰገዱለይ” እናበለ ብመንፈስ ትዕቢትን ሓሶትን ኣብ መንጎ መላእኽቲ ህውከት ኣብ ዘለዓዓለሉ ጊዜ “ንቁም በበህለዌነ እስከ ነአምር ፈጣሪነ/ ፈጣሪና ክሳዕ እንፈልጥ ኣብ ዘዘሎናዮ ጸኒዕና ንጽናሕ” ብምባል ንመላእኽቲ ዘረጋግእ ኣብ መወዳእታ’ውን ምስ ቅዱስ ሚካኤል ንመላእኽቲ መሪሑ ንሳጥናኤል ዝሰዓረ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ድርሳነ ገብርኤል ዘወርኀ ጥር)

2. ኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ተሰጕጎም ንስሓ ኣትዮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሰይጣን መጺኡ ንስሓኦም ዓንቂፉ ክልተ ጊዜ ኣጋገዮም። በዚ ኸኣ ኣዳም ኃዚኑ ንሠለስተ መዓልትታት ኣብ ምድሪ ወዲቑ ምትንሣእ ምስ ኣበየ መጺኡ ዝረድኦ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ድርሳነ ገብርኤል ዘወርኀ የካቲት)

3. ጭራሕ-ምራሕ በዚኁ፡ ኃጢኣት ድማ ኣዝዩ ኸፊኡ ኣብ ዝነበረሉ ከተማታት ሰዶምን ጎሞራን እግዚአብሔር ምስ ተቘጥዐ፡ ናብአን ምስ ቅድስ ሚካኤል ዝተላእከ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ዘፍ. 19፡1)

4. ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ነቢይ ዳንኤል “ንኣምላኽካ ሰጊድካ ንንጉሥ ኣይሰገድካን” ተባሂሉ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ጊዜ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ብቕልጡፍ ኣፍ ኣናብስ ዝዓፀወ፡ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ብተወሳኺ ውን ነቢይ ዳንኤል ከምዚ ዝስዕብ በለ፦ “ዓው ኢለ ክጽሊ ከሎኹ፡ ቅዱስ ገብርኤል እቲ ቅድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ፡ ቐልጢፉ ነፊሩ ናባይ መጽአ። ሽዑ ኣጋ ጊዜ መሥዋዕቲ ምሽት ነበረ።” (ዳን. 8፡15, 9፡22) ንነቢይ ዳንኤል ዘጸናንዖን ንራእዩ ዝተርጐመሉን ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ዳን. 8፡14-22 ድርሳነ ገብርኤል ዘወርኀ ታኅሣሥ)

5. ናቡከደነፆር እተባህለ ንጉሥ ባቢሎን፡ 27 ሜትሮ ዝቑመቱ፡ 3 ሜትሮ ድማ ዝጐድኑ ምስሊ ወርቂ ኣቝሙ ኵሉ ፍጡር ኪሰግድ ኣዋጅ ኣብ ዝኣወጀሉ ጊዜ፦ ኵሎም ባቢሎናውያን ፍግም ኢሎም ኪሰግዱሉ ኸለዉ፡ ካብ ማእከሎም ግና ፫ተ ደቂቅ (3ተ መንእሰያት) ዝበሃሉ ኣናንያ፡ ኣዛርያን ሚሳኤልን “ንሕናስ ንጐይታ ሰማይን፡ ምድርን ኢና እነምልኽ እምበር ንጣዖት ኣይንሰግድን፡ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብዚ ሓዊ ከናግፈና ይከኣሎ እዩ።” ብምባል ኣምልኮተ እግዚአብሔር ኣጽኒዖም ስለእተረኽቡ ተኣሲሮም ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ተደርበዩ። እምበኣር እቲ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ ዘናገፎም ቅዱስ ገብርኤል እዩ። በዚ’ውን ነቢይ ዳንኤል ሰብ ኢሉ ኪገልጾ ኸሎ ናብከደነፆር ድማ ወዲ ኣምላኽ ብምባል ዝተዛረበሉ። (ዳን. 3፡1-30)። (ድርሳነ ገብርኤል ዘወርኀ ግንቦት)

ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሓዲስ ኪዳን

1. ቅዱስ ገብርኤል ኣብሣሪ፡ ብሥራታዊ መልኣኽ እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ናብ ካህን ዘካርያስ ተላኢኹ ዘሐጕስ ውላድ ከም ዝወልድ ዘበሠረ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ብዝበለጸ ድማ ነቲ ትንቢት ዘለዎ፡ ሱባኤ ዝተቈጽረሉ፡ “እንሆ ክትፀንሲ ወዲ ውን ክትወልዲ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምዪዮ ኢኺ” ኢሉ ምውላድ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘበሠረ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ሉቃ. 1፡8-56)።
2. ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ዮሴፍን ሰሎሜን ኂዙ ናብ ግብጺ ዝተሰደ ድኅሪ 3ተ ዓመትን መንፈቕን ድማ ሄሮድስ ምስ ሞተ ናብ ሃገሮም ንኺምለሱ ንዮሴፍ ዝተዛረቦን ኣብ ጕዕዞኦም ዘገልግሎም ዝነበረ ቅዱስ ገብርኤል እዩ ነይሩ። (ማቴ. 2፡13-19)

3. ሓዋርያ ቅዱስ ስምዖን ብሰማዕትነት ኪኃልፍ ከሎ፡ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ከም ዘጸናንዖ ዚገልጹ ጽሑፋት ኣለዉ።

4. ሕፃን ቂርቆስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ኢየሉጣ ኣብ ዘመን ዓላዊ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ኣብ ፍሉሕ ማይ ኣብ ዝተደርበየሉ ጊዜ፡ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ዘድኃኖም ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። (ድርሳነ ገብርኤል ዘወርኀ ሓምሌ)

5. ቅዱሳት ኣንስት ብዕለተ ሰንበት ናብ መቓብር ጐይታ ኣብ ዝመጽኣሉ ጊዜ ነቲ እምኒ ኣፍ መቓብር ገምጢሉ ጐይታ ከም ዝተንሥአን ንሓዋርያት ከበሥራኦምን ዝሓበረ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ቀዳሞት ቅዱሳን ሊቃውንቲ ኣብ ዚደረስዎ ድርሳናት፡ ቅዱስ ገብርኤል ብብዝኂ ተጠቒሱ ኣሎ። በዓል ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ድርሳናቶም ኣምሊኦም ጽሒፎም እዮም። ቅዱስ ያሬድን ኣባ ጊዮርጊስን እንተኾኑ’ውን፡ ኣብ መጻሕፍቶም ልክዕ ከም ቅዱስ ሚካኤል ብሰፊሑ ጽሒፎም እዮም።

ብዓቢኡ ድማ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ናብ ግእዝ ዝተተርጕመ ድርሳነ ገብርኤል፡ ዕቤቱን ተኣምራቱን ተራዳእነቱን ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።

ክብረ በዓል

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣስታት 330 ዓ.ም. ጀሚራ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ብስም መላእኽትን ቅዱሳንን ተሓኒፁ ኣብ ዓመት እንተወሓደ ሓንሳእ ክብረ በዓል ክግበረሎም 318 ኣቦታት ሊቃውንቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብዝወሰንዎ መሠረት፡ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ሓምሌ 19ን ታኅሣሥ 19 እዩ።

• ታኅሣሥ 19 ፦ ንሠለስቱ ደቂቅ (ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል) ካብ እቶነ እሳት ዘውፅኣሉ ዕለት ኪኸውን ከሎ፤

• ሓምሌ 19 ፦ ንቅዱስ ቂርቆስን ንኣደኡ ቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ዘውፅኣሉ ዕለት እዩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ሥነ ሥእሊ ቅዱስ ገብርኤል ደድኅሪ ቅዱስ ሚካኤል ተሠሪዑ ይርከብ። ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከበሥራ ኸሎን ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ ሓዊ ኬውፅኦም ከሎን ንቅዱስ ቂርቆስን ቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ከውፅኦም ከሎን ዘርእዩ ኣሣእል ኣብ ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ኣብ ቤት ምእመናንን፡ ኣብ መንደቕ ተሰቒሎም ንረክብ ኢና። ብተወሳኺ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ማዕፆ ቤት መቕደስ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኑ፡ ሰይፊ ተዓጢቑን በትረ መስቀል ኂዙን ምስ ቅዱስ ሚካኤል ይሠኣል። ኣብ ሥእለ ኣድኅኖ ውን ብጸጋም ይሣኣል።

ቅዱሳን ኣቦታት ነቲ ንቅዱሳን መላእኽቲ ዘለዎም ክብሪ ብልባዊ ፍቕርን ስግደትን ከም ዚገለጽዎ ንሕና’ውን ኣብ ቅድሚ ሥእሎም ሰጊድና ፍቕርና ክንገልጽ ይግባእ። ንምሕረትን ተራዳእነትን ሠናይ ብሥራትን ካብ እግዚኣብሔር ከም ዚለኣኽ ፈሊጥና “በእንተ ቅዱስ ገብርኤል መሐረነ ክርስቶስ” እናበልና ጸሎትና ከነቕርብ ይግብኣና።
                                                                                                       ተራዳእነት ቅዱስ ገብርኤል ኣይፈለየና!
                                                                                                                                                              ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195