banner

ልኡካን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብቤት ምክሪ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተማእከለ ሰሜናር ተሳቲፉ!

ልኡካን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብቤት ምክሪ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተማእከለ ሰሜናር ተሳቲፉ!

ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ከተማ ውፔትርታል (Wuppertal) ቱጌዘር ቱዋርድስ ፒስ ኤንስ ጀስቲስ( together towards peace & Justice )/ ማለት ብኃባር ንሰላምን ፍትሕን ኣብ ዝብል ቴማ ካብ 13-28 ሓምሌ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጅርመን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ኣባ ሲላስ ብርሃነ ምኽትል ዲን ኮለጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ምኽትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ምስታፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።


ኣብዚ ሰሚናር እዚ ብዛዕባ ኣፈታትሓ ጸገማት(conflict resolution); ሃይማኖታዊን ባህላዊን ሽምግልና ኣጠቃቅማ (the process mediation) አተዓቓቕባ ሰብኣዊ መሰል (human rights protection) ኣታሕሳስባ ምዕራይ (healing of memory) ዝብሉ ትምህርትታት ብጉጅለኣዊ ምብህሃላት እናተሰነየ ተዋሂቦም።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ሰሚናር ካብ ኣኅጉራት ኣፍሪቃ ፥ኤሽያ ፥ ላቲን ኣሜሪካን ኤውርጳን ከምዝተሳተፉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ሰሚናር ክትሳተፍ ዝኸኣለት ቀኖናኣን ዶጉማኣን፥ ሥርዓታን ትውፊታን ብምዕቃብ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ማሕበራት ክርስቲያን ብዘለዋ ኣባልነትን ብፍላይ ድማ WCC (ቤት ምክሪ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት) ብዝለኣኾ ዕድመ መሠረት ምኳኑ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ ሓቢሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195