banner

ዐቃቤ መንበር ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ብምኽንያት ሱባዔ ጾመ ፍልሰታ ለማርያም ዘኅለፍዎ መልእኽቲ!

ዐቃቤ መንበር ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ብምኽንያት ሱባዔ ጾመ ፍልሰታ ለማርያም ዘኅለፍዎ መልእኽቲ!

ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትርከቡ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደሱን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ እግዚአብሔር፣ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር የሀሉ ምስለ ኵልክሙ፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸትን ረድኤትን የኅድረልኩም።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝኣወጀቶም 7ቱ አጽዋማት ሓደ፡ ጾመ ፍልሰታ ለማርያም እዩ። እዚ ጾም እዚ ሬሣኣ ክወሓቦም፡ ብድኅሪኡ ድማ ትንሣኤኣን ዕርገታን እግዚአብሔር ኪገልጸሎም ኣቦታትና ሐዋርያት ዝጾምዎ ኮይኑ፣ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን እዚ ሱባዔ እዚ አበው ገዳማትን ውሉደ ክህነትን ለይቲ ብሰዓታትን ስብሐታትን፣ ቀትሪ ድማ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዘወትር ካብ ሕፃን ክሳብ ሽማግለ ብጾምን ምህላን፡ “ሰአሊ ለነ ቅድስት” እናበሉ ንኣኣን ንፍቁር ወዳን ዝልምንሉ ዓቢይ ሱባዔ እዩ።


ዝለመንካዮ ዘይከልእ እግዚአብሔር ኣምላኽና ብዝናመ ክረምቲ ተዓሪቑና፣ ኣብ ሃገርና ጽቡቕ ዝርገሐ ዘለዎ ዝናም ይዘንም ኣሎ። ሎሚ ኣብ’ዚ ናይ ሱባዔ ዋዜማ ድማ ምሉእ ለይትን መዓልትን ኣብ ዋና ከተማ ኣሥመራን ብዘይምቍራፅ ስለ ዝዘነመ፡ ሕዝብናን መሬትናን ተፈሢሑ ኣሎ፤ በቚሉ ዘሎ ፍሬ ምድር ክባርኸልና ድማ ኣብ’ዚ እንኣትዎ ዘሎና ሱባዔ ብንስሓ ተሓፂብና፡ ብትብዓትን አንቃዕድዎ ሕሊናን ክትጽልዩ ኃደራ ንብለኩም።

ከም’ቲ ሐዋርያ ጳውሎስ ንዕብራውያን፡ “ኣንቱም ኣኅዋተይ፣ ነዚ ኣሕፅር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ዘለኹ ቃለ ምዕዶ ብትዕግሥቲ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ።” (ዕብ. 13፥22) ዝበሎ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ኵሉ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦ ብትዕግሥቲ ኃሊፉ፣ ብመሠረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝግባእ ሕጋዊ ውሳኔ ኣኅሊፉ፣ ኣብ ሓድሽ መንፈሳዊ መድረኽ ስለ ዝርከብ፡ ኵልኹም ኣገልገልትን ምእመናንን ብፍቕሪ ኃይልኩም፣ ብሓድነት ደልዲልኩም፣ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክትብሉ ብትግሃት ከተገልግሉን ንውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ተግባራዊ ክትገብሩን ንላበወኩም።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ’ቲ ዝድለ ፍጻሜ መድረኽ ንኽትበጽሕ፡ ኵላትኩም ምእመናንን ኵሉ ጊዜ ብጾምን ጸሎትን ክትፅመዱ ኣባታዊ ምኽሪ ንልግሰልኩም ኣሎና። ንሱባዔና ብሰላም ኣፈጺሙ፣ ኣብ በዓለ ዕርገታ ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

እግዚአብሔር ንሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ!

ናይ ፍሬ ክራማት ይግበረልና። አሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195