banner

ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተማእከለ ጐስጓስ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል ኣሎ!

ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተማእከለ ጐስጓስ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል ኣሎ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ብመሠረት ኣብ መወዳእታ ሚያዚያ 2011 ዓ.ም. (2019) ዘኅለፎ ውሳነ፣ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ምንቅስቓስ ተሓድሶ መናፍቓን ኣፍልጦ ስዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያንን ንምብራኽ፣ ከምኡ’ውን ብጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ካብ ጠንቂ እቲ ፍልልይ ኣትኂዙ ክሳዕ ትማሊ ብውግዘት ዝፈለየሉ መሥርሕ ንምብራህን ዕላምኡ ዝገበረ ጐስጓስ ኣብ መላእ ሃገር ይካየድ ኣሎ።

እዚ ብኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዓን ኣቦታትን ኃለፍቲ ዝተፈላለያ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፣ ብቐጻሊ ክለዓሉ ኣብ ዝጸንሑ ጉዳያት ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ኣተኵሩ ብተንቀሳቓሲ ምስልታትን (ቪዲዮታት) ሰነዳትን ዝተሰነየ ሰፊሕ መብርሂታትን መግለጺታትን ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ።

በዚ መሠረት ዛጊት ብዕለት 28 ሰነ 2011 ዓ.ም. (05/07/2019) ሥሉሳዊ ጉባኤ ማለት ምልኣት ኃባራዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ሥምረት ገዳማት፣ ጉባኤ ሊቃውንት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ብዕለት 03 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (10/07/2019) ተማሃሮን ሠራሕተኛታትን መምህራንን መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፣ ብዕለት 04 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (11/07/2019) ኵሎም ሠራሕተኛታት ኣብያተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፣ ሃገረ ስብከት ማእከል ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ኣሥመራ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ ኣሎ።

መደባቱ ኣብ ሃገረ ስብከታት ብምቕጻል ከኣ፣ ብዕለት 17 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (24/07/2019) ኵሎም ኣባላት ሰበኻ ጉባኤታት፣ ሰበኽቲ ወንጌል፣ ሊቃውንትን መምህራንን መሪጌታታትን፣ ኃለፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፣ ወከልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከባ ኣብያተክርስቲያን ዝተሳተፉሉ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ብተመሳሳሊ’ውን ብዕለት 18 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (25/07/2019) ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ዝርከባ ኵለን ኣብያተክርስቲያናት ዝተሳተፍዎ ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተክርስቲያን፣ ከምኡ’ውን ብዕለት 23 ሓምለ 2011 ዓ. ም. (30/07/2019) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ዝርከባ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተሳተፍዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ መንደፈራ፣ ብዕለት 25 ሓምለ 2011 ዓ. ም. (01/08/2019) ከኣ ንኵለን ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ተኻይዱ።

 

 

 

ተመሳሳሊ ዑደት ብምክያድ ከኣ ብዕለት 26 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (02/08/2019) ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ንዝርከቡ ኵሎም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ከተማ ድባርዋ፣ ብዕለት 27 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (03/02/2019) ኣብ ሃገር ስብከት ዓንሰባ ዝርከቡ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ከተማ ከረን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከኣ ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ንዝርከቡ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ከተማ ባረንቱ ሰፋሕቲ ጉባኤታት ተኻይዱ።

ኣብ ኵሎም ዝተኻየዱ ሓፈሻዊ ጉባኤታት፣ ብጉባኤተኛታት ዝቐረቡ ርእይቶታት ተመሳሳልነት ዘለዎም ኮይኖም፣ ገለ ካብ`ቶም ዝቐረቡ ርእይቶታት ከኣ፣ ይወሃብ ብዘሎ ብመርትዖ ዝተሰነየ መግለጺ ምስጋና ዝቐረበሉ፣ ኣገልገልትን ሕዝብን ብወረ ብዝሰምዕዎ ሓበሬታ ተደናጊሮም ምጽንሖምን ምህላዎምን፣ ሕጂ’ውን ዝወሃብ ዘሎ መረዳእታ ካብ`ቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ኣዝዩ ደንጒዩ ይካየድ ዘሎ ይኹን እምበር፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ቀጻልነት ክህልዎ ዘተሓሳስብ እዩ። ተሓድሶኣዊ ምንቅስቓስ መናፍቓን ሓደገኛ ብምዃኑ ብሕጂ’ውን ኣብ ምክትታሉ ይኹን ምቅልዑ ኣተኵሮ ተዋሂቡ ክሥርሓሉ ከምዝግባእ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መጠን መራሔ ቤተክርስቲያን ብቐጻሊ እዋናዊ ሓበሬታ ክህብ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ሕማም ኣብ ውሽጡ ተጻዊሩ ይኸይድ ምንባሩን ንዅሉ ተጸሚሙ ከኣ ብትዕግሥቲ ክጽበን ክፍትንን ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ። ኣንጻር ኵሉ ተጻብኦታት ሰብ ዘዝመስሎ ክዛረብ እኳ እንተጸንሐ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ግና ልዕሊ ዅሉ ንጣዕሳን ይቕሬታን ዝሃቦ ሰፊሕ ዕድል ንነዊኅ ጊዜን ዝምስገን ምዃኑ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝወሰዶ ውሳነ ቅቡል ምዃኑ ጉባኤተኛታት ብተደጋጋሚ ዝገለጽዎ ጉዳይ እዩ። ብመልክዕ ሕቶ’ውን፡ “ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ልዑላዊነትን ናጽነትን ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዘለዋ ታራን ሥልጣንን እንታይ እዩ፧ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ብቅሉዕ ጸገሞም ንሕዝቢ ዝገልጹሉ ጉዳይ ዘይፍጠር፧” ዝብል ዝቐረበ ኮይኑ፣ ብኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ እኹል ምላሽ ተዋሂብዎ።

ጉባኤተኛታት ኣብ ልዕሊ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ዝተዋህበ ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስን ምሻም ዓቃቤ መንበርን ምድንጓያት እኳ እንተነበሮ፣ ቅኑዕን ቅቡልን ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ብሕጂ’ውን ዝወሃብ ውሳነታት ከም ዝቕበልዎን ኣብ ግብሪ ከምዘውዕልዎን ዝተዛረቡሉ እዩ። ብወረን ይቤላን ይቤሎን ቤተ ክህነት ተካፋፊሉ ምጽንሑ ብምጥቃስ ሕጂ’ውን ንሓድነት ቤተክርስቲያን ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ከም`ዚ ዓይነት መረዳእታን ጐስጓስን ቀጻልነት ክህልዎ ብጽኑዕ ተላብዮም።
ብወገን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ’ውን ኣብ ዝኃለፈ እዋናት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናትና ብናይ ተሓድሶ መናፍቓን ተጎቢአንን ተዋሒጠንን ምንባረን ብምዝኽኻር፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝመሥረታን ዝሕልዋን ቤተክርስቲያን ብምዃና ግና ብኸቢድ ቃልሲ ውኁዳን ሊቃውንትን ኣዴታትን ንነዊኅ ዓመታት ክሥርሓሉ ዝጸንሐ ውዲት መናፍቓን ከምዝፈሸለን፣ ሕጂ’ውን መልክዑ ቀይሩ ዝመጸና ዘሎን ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንና ኣንጠጥዩ ዘሎ ወራር መናፍቕነትን ክንምክቶ እንተደኣ ኮይንና፣ ልዕሊ ዅሉ መቓልስትና ሥጋን ደምን ዘይኮነስ፡ ካልእ መንፈስ ምዃኑ ተረዲእና፣ ንጸሎት ክንነቅሕ፣ ኣብ ኣገልግሎት ክንተግህ፣ ጕስነትና ከነኅይል፣ ደቅና ብፍላይ ከኣ መንእሰያትን ሕፃናትን ኣሰር ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ክስዕቡን ኣብ ርቱዕ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክጸንዑ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትና ብዝግባእ ከነደልድሎን ክንሕልዎን ከም ዝግባእ ብምዝኽኻር፣ ብኵሎም ወገናት ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ፃዕሪ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ብሓፈሻ ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት፣ ካብ ኣዝዩ ርኁቕ ገጠራት ከይተረፈ ብዝኂ ተሳትፎ ቤተ ክህነትን ሰበኻ ጉባኤታትን ኣዝዩ ዘደንቕ ኮይኑ፣ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያኑን ሃይማኖቱን ዘሎ ፍሉይ ተገዳስነትን ፃዕርን ዘመልክት፣ ኣወዳድባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን እናኃየለ ከምዝመጽአ ዘረድእ እዩ። ከም`ዚ ዓይነት ጉባኤ ከኣ ኣብ ኵለን ተሪፈን ዘለዋ ሃገረ ስብከታት ክቕጽል ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ዕርጋን ብዝጠንቁ ስእነት ጥዕና፣ ዝበዘኀ አዋን ኣብ ቡራኬን ጸሎትን ሃገረ ስብከት ተወሲኖም ንዘለዉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፣ ኣብ መዕረፊ ቤቶም (መንደፈራ) ምብጻሕ ኣካይዶም። ብንብዓት ዝተሰነየ ናፍቖታዊ ሰላምታ ድኅሪ ምልውዋጥ ከኣ ዝገበረሎም ብዛዕባ ዘሎ ክንክን ድኅሪ ምሕታት፣ ሓባራዊ ጸሎት ከምዘብጽሑ ዝበጸሓና ሓበሬታ የመልክት። ንብፁዕ ኣቦና ጥዕና ክህቦም ሰናይ ትምኒትናን ጸሎትናን ንገልጽ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195