banner

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ (፲፱፻፳- ፳፻፲ወ፩ ዓ.ም. ግ/ 1927-2019 ፈ. )

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ (፲፱፻፳- ፳፻፲ወ፩ ዓ.ም. ግ/ 1927-2019 ፈ. )

“ምስለ ፍልሰትኪ ደምርኒ እሙ”

ብፁዕ አቡነ ሰላማ፦ ብቅድስናኦም ዝተፈልጡ፡ ብጸሎቶም ዝረድኡ፡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ዝተመልኡ፡ ካብ ፍቅረ ንዋይ ዝረኃቑን ብልግስነት ዝዓበዩን ብትሩፋቶም ዝልለዩን ተረፈ ቀደምት አበው እዮም። ተክለ ሃይማኖት ኮይኖም ጽጌ ገዳም ምናኔ ዓንቢቦም ፍረ ጵጵስና ክፈርዩ ብዕለት 14 መስከረም 1920 ዓ.ም.ግ (25/09/1927 ፈ.) ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተስፋጋብር ክፍላይን ኣደኦም ወ/ሮ ወለተብርሃን ደመርን ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ሮብቶ ሰለባ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወሊዶም። ስሞም ‘ተክለ ሃይማኖት’ ተባሂሎም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተጠሚቖም ጸጋ ጥምቀት ተቐበሉ።


ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ምስ ሥድራኦም ዓብዮም፡ ዕድሜኦም ንዓቅመ ትምህርቲ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ከባቢ ዝተወልድሉ ዓዲ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ሲና ፊደል ቈጺሮም ግብረ ዲቁና ተማህሩ። ብ1931 ዓ.ም. (1939 ዓ.ም.ፈ) መዓርገ ዲቁና ካብ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘኤርትራ ተሠይሙ። መንፈሳዊ ትምህርቲ እናተማህሩን ብርድእና እናኣገልገሉን ጸኒሖም፡ ኣብ 1944 ዓ.ም. (1951 ዓ.ም.ፈ.) ‘ኣባ ተክለሃይማኖት’ ተባሂሎም ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ካብ ኢድ መምህር ኃይለማርያም ኣስኬማ ዘመላእክት መዓርገ ምንኩስና ተቐበሉ። ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ መዝገብ ቅዳሴ ኣጽፊፎም ተማህሩ። ካብ የኔታ ጽጌ’ውን ኣብ ሕምብርቲ ቅኔ ምስ ኣገባቡ ተማህሩ። ብተጊሀ ጸሎትን ብርድእናን ከምኡ’ውን ንገዳም ብዘበርከትዎ መንፈሳውን ልምዓታውን ኣገልግሎቶም ኣዝዮም ምስጉን ነበሩ። እንሆ ድማ ብ25 ታኅሣሥ 1961 ዓ.ም. (1968 ዓ.ም.ፈ) ማኅበር ገዳም ደብረ ሲና ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም ብምልዓተ ድምፂ ንኣቦና ኣቡነ ሰላማ ኣቦ ክኾንዎም መረጽዎም። ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ኣበምኔት ኮይኖም ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ዝጸንሑለን ጊዜያት ብዘይ ኣድልዎን ሃኬትን ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾ ገዳም ‘ሥጋይ ንማኅበር ነፍሰይ ንእግዚአብሔር’ ብምባል ብትግሃትን ተወፋይነትን ኣገልገሉ። ከም መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ዒላበርዕድን ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ኤድንን ዝኣመሰሉ ኣብያተ ክርስቲያን ክሓንፁ ከለዉ፡ ናይ ገዳም ሽግር ማይ ንምቅላል ባስካ ኣብ ምሕናፅ፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብ ምስሳን ብሓፈሻ ልምዓታዊ ንጥፈታት ኣብ ምዕባይ ዝፈጸምዎ ዕዮ ተዘካሪ እዩ።

ከምቲ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘኤርትራ ሢመተ ዲቁና ክቐብእዎም ከለዉ ዝተነበይሎም፡ ብፁዕ አቡነ ሰላማ፡ ብመንፈሳውነቶምን ኣገልግሎቶምን ንተቀብኦ ጵጵስና ተመሪጾም፡ ብ12 ሰነ 1986 ዓ.ም.ግ. (19/06/1994 ዓ.ም.ፈ.) ብኢድ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳዊ ሥርዓተ ሢመት ጸሎተ ተቀብኦ ኣብ ካይሮ ተፈጺሙሎም ኣቡነ ሰላማ ጳጳስ ሰምሃርን ደንካልያን ተባሂሎም መዓርገ ጵጵስና ተቐብኡ።

ብ21 ሓምለ 1990 ዓ.ም.ግ.(1998 ዓ.ም.ፈ) ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ተዋሂቦም። ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከታት ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ ብምዃን ንብዙኅ ዓመታት ምስ ኣገልገሉ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ተሓጋጋዚ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኖም ከገልግሉ ብዝወሰኖ መሠረት ብ 24 ሰኔ 1996 ዓ.ም. (01/07/2004 ፈ) ናብ ኣሥመራ ተዛዊሮም። ቀጺሎም’ውን ጉዳይ ገዳማት ብሰንሰለታዊ መንገዲ ምእንቲ ክኸይድ ቅዱስ ሲኖዶስ ንብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ናይ ገዳማት ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ብዝወሰኖ መሠረት ብቅንዕናን ትግሃትን ኣገልገሉ። ብተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ዑደት ብምክያድ ዓበይቲ ሥርሓት ፈጺሞም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኅዳር 2004 ዓ.ም. (2012 ፈ.) ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ፈጺሞም። ብፁዕ ኣቦና፡ ጳጳስ ሰምሃርን ደንካልያን፣ ሊቀ ጳጳስ ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ ፡ ሊቀ ጳጳስ ገዳማተ ኤርትራ፡ ተሓጋጋዚ ፓትርያርክን ከምኡ’ውን ሊቀ ጳጳስ ደቡብ መንደፈራ ኮይኖም ብተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘገልገልሉ ልዕሊ 25 ዓመታት፡ በዓል 4ተ ደርቢ ዘመናዊ ሕንፃ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከሕንፁን፡ ብብዝኂ ኣብያተ ክርስቲያናት ክባርኹን ሓደስቲ ዝሕነፁ ኣብያተ ክርስያናት እምነ መሠረት ከንብሩን ከለዉ፡ ንልዕሊ 1032 ብሥልጣነ ክህነት፡ ንልዕሊ 2190 ብመዓርገ ዲቁና ከምኡ’ውን ንልዕሊ 10 መነኮሳት መዓረገ ቁምስና ሂቦም።

ብፁዕ ኣቦና ብዝኃደሮም ሕማም ኽሕከሙ ድኅሪ ምጽናሕ እንሆ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “በድርየኒ ፈጸምኩ/ ጕያይ ፈጺመ እየ’ (2ይ ጢሞ. 4፡7) ዝበሎ፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ንሓደ ባሕታዊ ውዳሴየን ቅዳሴየን ዝደግመለይ ይፈቱ ዝበለቶ ኣቦና’ውን ካብ ብዝኂ ፍቕራ ዝተላዕለ ውዳሴኣን ቅዳሴኣን ብቃሎም መዓልታዊ ከይደገሙ ዘይውዕሉ ፡ ኣብ ጸሎቶም ድማ “ምስለ ፍልሰትኪ ደምርኒ እሙ/ ኣብ መዋዕለ ፍልሰታኺ ኣሳትፍኒ” ኢሎም ዝጽልይዎ ብምንባሮም ኣብ መዋዕለ ጾመ ፍልሰታ ዕለት 12 ነሓሴ 2011 ዓ.ም.ግ (18/08/2019 ዓ.ም.ፈ) ፍርቂ ለይቲ ኣብ ሆስፒታል ደምበ ሰምበል ኣሥመራ ሕክምናዊ ረድኤት እናተገብረሎም ከሎ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ብሰላም ዓሪፎም።

በረከት ብፁዕ ኣቦና ይኅድረና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

፲፬ ነሐሴ ፳፻፲ወ፩ ዓ.ም. ( 20/08/19 ዓ.ም.ግ.)

www.lisantewahdo.org

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195