banner

ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ተፈጺሙ!

ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ተፈጺሙ!

ብመሠረት ቤት ጽሕፍት መንበረ ፓትርያርክ ብዘውፅኦ መርሐ ግብር ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራን፡ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ኣበምኔት ገዳማትን ገዳማዊያንን ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን፡ ሰበ ስልጣን መንግሥትን ምእመናትን ምእመናንን ልዑክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተረክቡሉ ተፈጺሙ።


ኣብ ኣስመራ ዝርከበ ኣብያተ ክርስቲያናት ፍርቂ ለይቲ ናብ ሠሉስ 14 ነሐሰ 2011ዓ.ም.ግ. (20/08/2019 ፈ.) ዘውግሕ ደወል ብምድዋል ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔር ጸሎተ ፍትሓት ብፅዕ አቡነ ሰላማን ከምብጽሓ ከለዋ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን አበምኔት ገዳማት፡ ገዳማውያን ስብሓታትን ጸሎተ ፍትሓትን ከብጽሑ ሓዲሮም።


ብመሠረት ዝወጽአ መርሓ ግብር ኣስከሬን ብፁዕ ኣቦና ብብፁዓን ኣቦታት ተዓጂቡ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ተበጊሶም ሰዓት 4፡00 ኣብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ምስ በጽሐ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝመጽኡ ፃዕዳ ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱን ጽንሓሕ ዝሓዙ ካህናት መስቀልን ጥዋፍን  ዝሓዙ ዲያቆናት ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ኣፍደገ ቤተ መቅደስ ቆይሞም፡ ተመሃሮ ቤተ ትምህርተ ሰንበት ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅድስት ማርያም ከኣ ጥዋፍ ኣብሪሆም ጎኒ ጎኒ ቤተ ክህነት ብምዃን እናዘመሩ ተቐበልዎም።

ሰዓት 4፡30 ሬሣ ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዝተዳለውሉ ቦታ ምስ ተቐመጠ። ለባስያን ውሉደ ክህነት ብየማነ ጸጋም ተሠሪዖም ብመሪሕነት ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን እቶም ብስብሓተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ነቒሖም ዝኃደሩ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ምእመናንን ምእመናትን፡ “መሐራ እግዚኦ ለነፍሰ አቡነ ሰላማ” እናበሉ እናተቐባበሉ ጸሎተ ፍትሓት ኣብጺሖም።

ቀጺሉ ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሰላማ ብምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ተነበ። ብምቕጻል ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ፡ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንቅዱስ ሲኖዶስ ብምውካል መልእክትን ናይ ምስጋና ቃል ኣብ ዝሃብሉ ኣጋጣሚ፡ ብፁዕ አቡነ ሰላማ ኣብዚ ምድሪ ዓለም ን92 ዓመታት ዝጸንሕሉ፡ ምስ ኵሉ ብፍቕርን ስኒትን፡ ንገዳሞም ንቤተክርስቲያን ብከቢድ ጻዕርን ስራሕን ዝሓለፉ ኣብነታዊ ኣቦ ምንባሮም ድኅሪ ምግላጽ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ገነቱ ክቅበሎም፡ ኣብ ክንድኦም ድማ ሕያዋይ ጓሳ ክትክኣልና ናብ እግዚኣብሔር ንልምን ኢሎም። ብድኅሪ እዚ ኣስከረን ብፅዕ ኣቦና ብገዳማውያት ኣቦታት ተጸይሩ ብኣቦታት ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበ ስልጣን መንግስትን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ለባስያን ካብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ መንደፈራ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝመጹ፡ ከምኡውን ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆንትን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን ምእመናትን ተሰንዩ፡ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ሰለስተ ጊዜ ዑደት ተጌሩ።

ኣብ መወዳእታ ልክዕ ሰዓት 8፡45 ቅ.ቀ. ናብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ሲና ብናይ ክብሪ ሞተር ሳይክል እናተዓጀ ነቐለ። ኣብ ዘዝሓለፍወን ዓድታት ካብ ዓዲተከሌዛን፡ ዒላበርዕድ፡ ረብቶን፡ ሽዕብን መስቀል ዘምርሑ ውሉደ ክህነት፡ ሊቃውንትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ንኣቦና ብዝግባእ ፍቅርን ክብርን ኣፋነውዎም።

ድኅሪ ናይ ኣስታት ሠለስተ ሰዓታት ጉዕዞ ናብታ ንምሉእ ዕድሜኦም ዝዓበዩላን ዝተማህሩላን ዘገልግልዋን ብመዓርግ ጵጵስና እውን ወኪሎም ዝተሸሙላን ጥንታዊት ገዳሞም ገዳም ደብረ ሲና በጽሑ። ኣበው መነኮሳትን መነኮሳይትን ብናፍቆታዊ ምድፍናቅን ብክብሪ ተቀበልዎም። ብተወሳኺ ሕዝቢ ከባቢ ገዳም ደብረ ሲና ደወል ብምድዋል ሰልፍ ብምግባር ብዓቢይ ክብሪ ኣስከሬን ብጹዕነቶም ናብ ገዳም ኣተውዎ።

ብመሪሕነት ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዋና ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድኅሪ ቀትሪ ጸሎተ ቅዳሴ ተጀሚሩ ሰዓት ሠለስተ ድኅሪ ቀትሪ ተፈጸመ። ብምቅጻል ከምቲ ዝመጽእዎ ኣገባብ ብመስቀል ጽንሓታትን ተዓጂቦም ካብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ብምውጻእ ኣብ ቀጽሪ ገዳም ድማ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ናብ ወሪደ መቃብር ኣብርሑ። ዘድሊ ጸሎት ምስ በጽሐ ወንጌል ተነቢቡ ብብፁዓን ኣቦታት አሐዱ ኣብ ቅዱስ ተባሂሉ ግብኣተ መሬትን ጠቅላላ ሥነ ሥርዓት ቀብርን በዚ ብምዕሩግ ኣገባብ ተፈጸመ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195