banner

“መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ /ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧” ቅዱስ ቶማስ ዘመርዓስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ /ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧” ቅዱስ ቶማስ ዘመርዓስ

“መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ፡ ሕማምኑ ምንዳቤኑ ተሰዶኑ ረኃብኑ ዕርቃንኑ መጥባሕትኑ ፃዕርኑ። በከመ ይቤ መጽሐፍ በእንቲአከ ይቀትሉነ ኵሎ አሚረ ወኮነ ከመ አባግዕ ዘይጠብሑ። ወባሕቱ በእንተዝ ንመውዖ ለኵሉ እስመ ውእቱ አፍቀረነ/ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት። ከመዮ ምእንታኻ ምልኡ መዓልቲ ንቅተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ከም ዝብል መጽሓፍ። ፍጹም ስለዘፍቀረና ንዅሉ ንስዕሮ ኣሎና።” (ሮሜ 8፡35-37)

ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳት ዘስተውዓለ ክርስቲያን፡ ካብታ ኣብ እግዚአብሔር ዘላቶ ፍቕሪ ክፈልዮ ዝኽእል መከራ የለን። መከራ እንክበዝኆ ዝያዳ ይጸንዕ፡ ብዝበለጸ ይኅይል። 

ቅዱሳን ሓዋርያት ደሞም ኣፍሲሶም ንዝሰበኽዋ ቤተ ክርስቲያን፡ 318 ሊቃውንት ተረኪቦም ኣዕጽምቶም ከስኪሶም ኣጽንዕዋ። ካብዞም 318 ሊቃውንት ተኣምራት ዘይገበረን መከራ መስቀል ዘይተቐበለን የለን።

ሓደ ካብዞም ሊቃውንት ድማ ቅዱስ ቶማስ እዩ።

ብጸሎትን ጾምን ስግደትን ተወሲኑ፡ ጽጉማት ይረድእ ነበረ። ምግባር ትሩፋቱ ተራእዩ ናይ ሃገረ መርዓስ ኤጲስቆጶስ ኮይኑ ተሠይመ። በዚ ኸኣ ‘ቶማስ ዘመርኣስ’ ተባህለ። ኣብ ሃገረ መርዓስ ርትዕት ሃይማኖት ኣብ ምስፋሕን ካብ መንጣሊ ትዅላ ሰይጣን ኣብ ምሕላውን ከም ዝቐደሙ ኣቦታቱ ቅዱሳን ሓዋርያት ብዙኅ ተጋደለ።

ኣብቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ግዝኣት ሮም ዝነገሠ ዲዮቅልጥያኖስ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ሃይማኖትኩም ክሒድኩም ንጣዖት ዘየምለኽኩም እናበለ የሳቕዮምን ይቐትሎምን ነበረ። ሓደ ካብ መኳንንቱ ንሠራዊቱ ናብ መርዓስ ከይዶም ንቅዱስ ቶማስ እናኣጋፍዑን ቐጥቀጡን ከምዘምጽእሉ ገበረ። “ስግድ ለአማልክት/ ንኣማልክቲ ስገድ” በሎ። ቅዱስ ቶማስ ድማ “ብዘይካ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ንኻልእ ኣይሰግድን እየ። እቲ ነዞም ርኵሳን ኣማልክት ጣዖታት ዝሰግድ ድማ ርጉም እዩ” በሎ።

እቲ መኰንን ብሕርቃን ነዲሩ ኣኽቢዱ ኣሳቐዮ። ብፍላይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣፍሊሑ ብኣፉን ኣፍንጫኦም እናእተዉ ኣሰቐይዎ። ስቓዩ ምእንቲ ክገድድን ካልኦት ንስቓዩ ርእዮም ንክርስቶስ ክኽሕዱን ብዙኅ ጊዜያት ብኸምዚ ቀጸልዎ። ቅዱስ ቶማስ ግና 'ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት።' ብምባል ብኃይለ ክርስቶስ ጸኒዑ እናኃደረ ይኅይልን ይሕደስን ብምንባሩ እዞም መምለክያነ ጣዖት ኃይሎም ተጸንቂቑ ላሕ በሉን ተሰነፉን። ኣብ መወዳእታ እናተሳቐየ ምእንቲ ክመውት ኣብ መካነ ጽልመት ደርበይዎ። ናብዚ ቦታ ድማ ዓመት ዓመት እናመጹ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣፍንጫኡን ከናፍሩን ኣእዛኑን ብሓፈሻ በብሓደ ሕዋሳተ ኣካሉ እናቖራረጹ ን22 ዓመታት ክሳዕ ጻድቅ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ዝነግሥ ኣሳቐይዎ።

ብብዝኂ ስቓይ ዝሞተ መሲልዎም እቶም ዘፍቅርዎ መጓሰኡ ሕዝበ ክርስቲያን ዓመታዊ ዝክረ ዕረፍቱ የኽብሩ ነበሩ። እንተኾነ ኣበይ ከምዝደርበይዎ ትፈልጥ ዝነበረት ሓንቲ ገባሪተ ሠናይ ሰበይቲ፡ ብኅቡእ ለይተ ለይቲ እናኸደት ትምግቦ ነበረት። ብዘመነ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ዘመነ ሰላም ኮይኑ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ዝተኣስርሉ ዝፍትሕሉ፡ ዝሞቱ ድማ ንቡር ቀብሪ ዝግበረሎም ጊዜ ብምንባሩ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ናብ ካህናት ከይዳ ብዛዕባ ቅዱስ ቶማስ ኵሉ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ብኽብሪ ዓጂቦም እናዘመሩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእትዮም ኣብ መንበር ብኽብሪ ኣንበርዎ።

ቅዱስ ቶማስ፡ ኣብ ኒቂያ ንኣውግዞተ ኣርዮስ ኣብ ዝተሠርዐ ጉባኤ ንኽሳተፍ ኣርድእቱ ኣብ ዘንቢል ኣእትዮም ኣብ ኣድጊ ጽዒኖም እናወሰድዎ፡ ብለይቲ ዓላውያን ሰባት ተጓነፍዎም። ነተን ኣእድጎም ድማ ኣራእሰን ቆሪጾም ደርበይወን። ቅዱስ ቶማስ ነቶም ኣርድእቱ ‘ኣራእሰን ኣምጽኡለይ’ ኢሉ ናይታ ጸላም ኣድጊ ርእሲ ኣብታ ፀዓዳ፡ ናይታ ፀዓዳ ኣድጊ ርእሲ ድማ ኣብታ ጸላም ኣግጢሙ ባረኾም እሞ ኵሎም ኣእዱግ ካብ ሞት ተንሥኡ።

ኣብቲ ጉባኤ ምስ በጽሐ፡ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ተጋድሎን ቅድስናን ቅዱስ ቶማስ ተረዲኡ፡ ‘በረኸትካ ይብጽሓኒ’ ብማለት ነቶም ዝተቖራረጹ ሕዋሳተ ኣካሉ ብምድኅሣሥ ተባረኸ።

ቅዱስቶማስ ዘመርዓስ ምስቶም ካልኦት ጴጲስ ቆጶሳት ብምዃን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ጉባኤ ሠሪዖም ነቲ ተመኺሩ ምምላስ ዝኣበየ ኣርዮስ ኣውጊዞም ፈለይዎ። ከምኡ’ውን ሕግን ቀኖናን ፍትሕ ሥጋውን መንፈሳውን ሠሪዖም ናብ ሃገረ ስብከቶም ተመልሱ።

ቅዱስ ቶማስ ድማ ናብ መንበረ ሢመቱ ሃገረ መርዓስ ተመሊሱ ሕዝበ ክርስቲያን ክባርኽን ክጓስን ድኅሪ ምጽናሕ 24 ነሐሴ ብሰላም ዓረፈ።

ብጠቕላላ ኣብ 40 ዓመት መዋዕለ ሢመቱ ብተጋድሎን ጽንዓትን ቅድስናን ትሩፋትን ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ ካብዛ ኃላፊት ዓለም ናብታ ዘለዓለማዊት መንግሥተ ሰማያት ተሰጋገረ።

በረከተ ጸሎቱ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለቶማስ ዘአባላቲሁ ግሙድ፡ እስከ አስተርእየ ኅብሩ አምሳለ ውዑይ ጕንድ፡ ለዝ መዋዒ በነፅሮ ገድሉ ፍድፉድ፡ ወሰላም ለእለ ምስሌሁ ሙቁሐነ እድ፡ አእላፈ ክርስቶስ ተስዓቱ እልፍ በፍቅድ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195