banner

ሥልጠና ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ተዋሂቡ!

ሥልጠና ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ተዋሂቡ!

ካብ 26 ነሓሴ ክሳዕ 30 ነሓሴ 2011 ዓ.ም. ብዛዕባ ዕቃበ ብራናታትን ንዋየ ቅድሳትን ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ሥልጠና ተዋሂቡ።

እዚ ብፕሮፌሰር ኣሌክሳድሮ ባውዚ ዝተመርሑ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቦርግ ጀርመን ዝመጹ ሽዱሽተ ክኢላታት ዝተዋህበ ሥልጠና፡ ብሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ኮይኑ ዝያዳ ኣብ ሃይማኖታዊ ቅርሲ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሥልጠና’ዚ ድማ ነቶም ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን፡ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ፡ ኮሌጅ ምኅደራ ዋኒንን ማኅበራዊ ሥነ ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ከምኡ’ውን ካብ ማእከል ምርምርን ስነዳን (RDC) ዝተዋፅኡ 25 ተሳተፍቲ ብኢድ ብፁዓን ጳጳሳት ምስክር ተሳታፍነት ዝገልጽ ወረቐት ተቐቢሎም።

እዚ ሥልጠና’ዚ ብውሕደት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ማእከል ምርምርን ስነዳን (RDC) ምስ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ጀርመን ዝተሠርዐ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195