banner

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 30 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ግ ኣብ ህሉው ኵነታት ምኅደራ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበርን ዘተኮረ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ።

ኣብዚ ብፁዓን ኣቦታት፣ ኃለፍቲ ክፍልታትን ኣባላትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ናይ ኵለን ሃገረ ስብከታት መራሕቲ ሥራሕን ጸሓፍቶምን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ መርሐ ግብር ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሣሙኤል ጸጋይ ብዛዕባ እዋናዊ ኵነታት ምኅዳራ ቤተ ክርስቲያንን ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበርን፣ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ፓትርያርክ ንምሻም ዝተጀመረ መሥርሕን ሓፂር መግለጺ ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ኣባል ሽማግለ ዕርቅን ኃላፊ ጉባኤ ሊቃውንትን ዝኾኑ መምህር ዕንባቆም ተስፋማርያም፡ ካብ ዝነበረ ኪደት ኮሚተ ዕርቀ ሰላም ኣብ ጉዳይ ሳልሳይ ፓትርያርክ ነበር እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ምስክርነቶም ሂቦም። ተጋባእቲ ድማ ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ሓናፂ ርእይቶታትን ሕቶታትን ምስ ኣቕረቡ ሓደ ብሓደ ተመሊስሎምን ተገሊጽሎምን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበር ብዝተኣሳሰረ፡ ብደረጃ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕቃብን ንሕዝበ ክርስቲያን መግለጺታት ኣብ ምሃብን ዝተገብረ ጻዕርታት ከምኡ’ውን ህልው ዝምድናታት ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ዝምልከት ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ሰፊሕ መብርሂ ምስ ተዋህበ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195