banner

ሽዱሽተ ወርኃዊ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ተኻዪዱ!

ሽዱሽተ ወርኃዊ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ተኻዪዱ!

01 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም. ናይ ሽዱሽተ ወርኂ ጸብጻብን መጻኢ ውጥንን ናይ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኵለን ሃገረ ስብከታትን ዝቐረበሉ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻዪዱ። 

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ብፁዓን ኣቦታት ምስ ተኸፍተ፡ ኣቐዲመን ኵለን ሃገረ ስብከታት ኣብ ሃገረ ስብከተን ዝተዓሙ ንጥፈታትን ዘጋጥሙ ጸገማትን መጻኢ ውጥናተንን ብዝርዝር ኣቕሪበን። ብሓፈሻ ሃገረ ስብከታት ሕጽረት ሰበኽቲ ወንጌልን ጥርናፈ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ከምኡ’ውን ድኽመታት ኣብ ብቕዓት ውሉደ ክህነትን ጕስነት ምእመናንን ከም ዘለወን ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪበን።

ካብዚ ቀጺለን መንፈሳውያን ክፍልታት ኣብ ሥልጠናን ምስፋሕን ስብከተ ወንጌል፡ ምምሥራትን ምስፋሕን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፡ ምፍራይን ምምልማልን ናይ ኣብነት መምህራን፡ ኣርትዖን ምዝርጋሕን መንፈሳዊ ጽሑፋት . . . ዘተኮሩ ጸብጻባት ቀሪቦም።

ምምኅዳራውያን ክፍልታት ብወገነን ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ ናይ ቀረባን ርኂቅን ዓበይትን ናኣሽቱን ፕሮጀክታት፡ ልምዓታዊ ንጥፈታት፡ ቁጽጽር ሥራሕን ሠራሕተኛታትን፡ ምስናድን ምዝርጋሕን እዋናዊ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን . . . ኣብ ዝብሉ ጸብጻባት ኣቕሪበን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ተሓጋጋዚ ኣማኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ኣብ ምምኅዳራዊ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈትን ወፃኢ ዝምድናታትን ዝነበረ ኪደትን መጻኢ መደባትን ኣስፊሑ ሓፈሻዊ መግለጺ ምስ ኣቕረበ፡ እቲ ጉባኤ ብጸሎትን ቡራኬን ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195