banner

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዐውደ ዓመት 2012 ዓ.ም.ግ.

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዐውደ ዓመት 2012 ዓ.ም.ግ.

ክቡራንን ክቡራትን፦

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፡ አብ ሐለዋን ልምዓትን ሃገር ዘለኹም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕማምን አብ በበይኑ ጸገማትን እትርከቡ ወገናትና፡ እንቋዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ 2012 ዓ.ም. ኣብጽሓና።

ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ / ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ (መዝ.65፡11)

ዘመን ኃሊፋ ዘመን ክትካእ ዝገበረ ጐይታ ዘመናት እግዚኣብሔር አምላኽ እዩ (ዘፍ.1፡14 -18)። በዚ ድማ ንፍጥረታት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ፣ ትውልዲ እናኅለፈን ትውልዲ እናተከአን ዘናብር ባዕሉ እግዚአብሔር አምላኽ እዩ። (ዳን. 2፡20-22)።

እምበኣር ነዚ መሠረት ብምግባር መደምደምታ ብሉይ ኪዳን መጀመርታ ሐዲስ ኪዳን ዝኾነ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ዘመን መሰጋገሪ ብምዃኑ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሐዲስ፡ ካብ ዓመተ ኵነኔ ናብ ዓመተ ምሕረት ንዝተሰጋገርናሉ ብምስትውዓል፡ እከይን ሕሰምን አሊና ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ሠሪዓትልና ኣላ። (1ይ ቆሮ. 5፡8)።

ብምኽንያት ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ብልቢ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ዓቢ ነገር ኣሎ። እግዚኣብሔር አምላኽ ንወዲ ሰብ ዘመናት ዝመደበሉ ብታሪኽ ዝዝከር ሥራሕ ክዓዪ እምበር ዘመናት ክቘጽርን ብዘይ ፍረ ክኃልፍን ኣይኮነን (ግብ. 17፡26-28)።

ነዚ ዓቢ ህያብ ፈጣሪና ዝኾነ ምስግጋር ዓመት ብሓድሽ ልብን መንፈስን ተቐቢልና፡ ንኃጢኣት ብግብሪ ጽድቂ፡ ንትህኪት ብትግሃት ንምቅያር ናይ ሕልና ለውጢ ጌርና አምላኽ ነቲ ዘመን ኃጢኣት ሸለል ብምባል ኣኅሊፍዎ እዩ’ሞ፡ ሕጂ ግና ብንስሓ ተሓጺብና ኣሰር ጽድቕን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ክንስዕብ ቃል ክንኣቱ ይግበኣና (2ይ ጢሞ.2፡22)

ብተወሳኺ ‘’ዘለዎ ንዘይብሉ የማቕል’’ (ሉቃስ 3፡10) ከም ዝተባህለን፣ ንቡርን ክቡርን ባህልና’ውን ስለ ዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ብሕማም ንዝሳቐዩ ወገናትና ክንበጽሕ፡ ንዘኽታማትን ዘይብሎምን ምምቓል ከይንርስዕ እናተለባኹ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብፍቕርን ምትሕልላይን ሠናይ ግብርን ክንዓይይ፡ ንዘይተሠርሐ ክንሠርሕ ፡ ንዝተጀመረ ኽንፍጽም ብቅንዕና መንፈስ ክንትንሥእ ይግባእ።

እዚ ዓመት እዚ፣ ዓመተ ንስሐ ፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክኾነልና እግዚኣብሔር ሰላሙ ከብዝኃልና ሃገርና ክባርኸልና፡ ንመራሕትና ዝለዓለ መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን ክህቦም ድኅነት ሃገር ንምኽባርን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ተዋፊሮም ንዘለው ኃይልታት ምኽልኻል ጽንዓት ክህቦም፣ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ፣ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ ሂቡ፡ ፍረ ዘራእትና ክንሓፍስ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና ኣሜን።

አቡነ ጴጥሮስ
ዐቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ
ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
01 መስከረም 2012ዓ.ም.ግ. (12-09-2019ፈ.)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195