banner

ቃለ ቡራኬ በዓለ መስቀል 2012 ዓ.ም.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃለ ቡራኬ በዓለ መስቀል 2012 ዓ.ም. 

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓናን፣ ኣብጸሓኩምን።

ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ብመሠረት ዝሃበና ተስፋ ድኅነት፣ ፍጻመ ዘመን ምስ ኮነ ምእንታና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ በጃ ኵሉ ዓለም ብምዃን ዘድኃነና ኣብ ክቡር መስቀል ተሰቒሉ እዩ። ቅዱስ ዳዊት መስቀል ትእምርተ ድኅነተና ምዃኑ ክገልጽ ከሎ “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት” ክብል ትንቢቱ ገሊጹ ነይሩ (መዝ 60፣4)።

እምበኣር መንደቕ ጽልኢ ኣፍሪሱ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ኵነኔ ናብ ጽድቅ፣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ መርገም ናብ በረከት፣ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ፣ ካብ ምርሕሓቕ ናብ ምቅርራብ፣ ካብ ምፍልላይ ናብ ሓድነት ክንሰጋገር ዝኸኣልና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክቡር መስቀል ብዝፈጸመልና ቤዛነት እዩ። (ኤፌ 2፣11-18)

መስቀል፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቕሩ ዝገለጸሉ፣ ቅዱስ ሥጋኡ ዝቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ፣ ሞት ዝተሳዕረሉ፣ ደቂ ኣዳም ሓራ ዝወፁሉ፣ ገነት ዝተኸፈተሉ ስለዝኾነ፣ “መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን / መስቀል ንዅሉ ዓለም ዘብርህ መሠረት ቤተ ክርስቲያን እዩ።” እናበልና ነኽብሮ ኣሎና። እምበኣር መስቀል ኃይልነ፣ መስቀል ጽንዕነ፣ መስቀል ቤዛነ፣ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ እናበልና ከነመስግኖ እንነብር ከኣ በዚ ምኽንያት ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ።

ድኅሪ ትንሣኤኡ ተኣምራቱ ንዝገበረ መስቀል’ውን ተመቀንዮም፣ ሰባት ክቐብርዎን ካብ ገጸ ምድር ክኽውልዎን እኳ እንተፈተኑ ድኅሪ 300 ሚእቲ ዓመታት ብመገዲ እሌኒ ንግሥት ዝተረኽበሉን ናብ ዓለም ዝተገልጸሉን ወትሩ ዓመት መጸ 17 መስከረም፡ ብስብሐተ ማኅሌትን ውዳሴን ቅዳሴን፡ ብብርሃን ዳሜራን ሆየ ሽግን፡ ብዓቢይ ሓጐስ ከነኽብሮ ንነብር ኣሎና።

እዚ በዓል’ዚ ወርኀ ክረምት እዋን ልምላሜ ኃሊፉ ወርኀ ጽጌን ፍሬን ዝትክኣሉ፡ ብርሃን ፀሓይ ዝደምቀሉ፣ ሰባት ብሓድሽ ሰዊት፣ እንስሳታት ብሸኻታት ዝጸግቡሉ፣ ምድሪ ብዕምባታት ዘጊጸሉ፣ ኩሉ ፍጥረተ እግዚአብሔር በብፍጥረቱ ንኣምላኹ ዘመስግነሉ ኣብ ቀዳማይ ወርኂ ናይ ሓድሽ ዓመት ዝብዕል በዓለ ተስፋን ብርሃንን እዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ሎምዘበን እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጥሉል ክራማት ፍረ ምድሪ ዝባረኸሉ፣ ምስቲ ረኺብናዮ ዘሎና ሰላም ተደሚሩ ፍሥሓ ወኀሤት ሕዝብና ዝወሰኸሉ ብምዃኑ ልግሱ ንዘይወዳእ ወሃቢ ኵሉ ዝኾነ ፈጣሪ ምስጋና ይብጸሓዮ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን መስቀል፣ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ርትዕት ሃይማኖቱ ጸኒዑ፣ ብሠናይ ምግባር ኣጊጹ፣ ብሓድነት ጥንታዊ ሥርዓቱን ባህሉን ዓቂቡ ክጓዓዝ ሓደራ ይብል። ብዝተዋህቦ ኃላፍነት ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ኣብ ምስፋሕን ኣብ ምጥንኻርን ይርከብ ኣሎ። ንዝጐደለ እናመልአ፣ ንዝቀነነ እናቀንዐ፣ ንዝደኸመ እናኃየለ፣ ኣብ መንፈሳዊ፣ ምኅደራዊ፣ ልምዓታዊ መደባቱ ንቅድሚት ይግስግስ ከምዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ምእንቲ ድኅነት ርትዕት ሃይማኖት ክብል ንዝወሰዶ ውሳነ፣ ንሕዝቢ ዝግባእ ሓበሬታ ድኅሪ ምሃቡ፣ ሓሶት ምስ ጊዜ እናፈኾሰ፣ ሓቂ ድማ እናተኾልዐ ይመጽእ ኣሎ። ብሕጂ’ውን ዝያዳ ክንጸርን ኣብ ታሪኽ ድማ ብዝግባእ ክምዝገብን እዩ። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ሕዝብና ከኣ ዝህበና ዘሎ ግብረ መልሲ ብዝግባእ ንከታተሎ ኣሎና።

እንተኾነ ግና ሕጂ’ውን ገለ ውሑዳት፣ ኣቐዲሞም ዝዓለምዎ ሓሳብን ትልምን ስለዘይሰለጦም፣ ዓቕሎም ኣጽቢቦም ዝምህዝዎ ዘሎ ሓሶት ንዕዘብ ኣሎና። ደድኅሪኦም ስለዘይሰዓብ ከኣ ካብ ጌጋታቶም ክምለሱን፣ ተጋግዮም ካብ ምግጋይ ክቑጠቡን ቅዱስ ሲኖዶስ ብተደጋጋሚ ይምዕድ ኣሎ። ገሌኦም ብፍልጠት፣ ገሌኦም ድማ ብዘይፍልጠት ብደም ክርስቶስ ንዝተዓደገ ሕዝበ ቤተ ክርስቲያን ካብ ምክፍፋል ክእደቡ ንመክር ኣሎና። “ይብእሰከ ረጊጽ ውስተ ቀኖት በሊኅ” (በሊሕ ነገር እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝጐድኣኻ) ንዝብል ምኽሪ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንልግሰሎም ኣሎና። (ግብሪ ሓዋርያት 9፣5)

ካብዚ ብዝተረፈ ግና ኣበው ገዳማውያን፣ ሥዩማን ካህናት፣ ላእካነ ምሥጢር ዲያቆናት፣ ምእመናን ኣቦታት ምእመናት ኣዴታት፣ መንእሰያት ብሃይማኖትኩም ጸኒዕኩም፣ እትፍጽምዎ ዘሎኹም ሠናይ ተግባር ካብ እግዚአብሔር ዓስቢ ዘለዎ ዝምስገን እዩ እሞ በቲ ዝጀመርኩሞ ክትቕጽሉ ሓደራ ንብል። በዓለ መስቀል በዓለ ሓድነት፣ በዓለ ሰላም፣ በዓለ ጽንዓት እዩ እሞ፣ ኣብ ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ንጽናዕ።

እምበኣር ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመት፣ በረኸቱ ከብዝኃልና፣ ፍረ ምድሪና’ውን ናብ ቆፎና ከእትወልና፣ ዓመተ ቅሳነትን ጸጋን ይግበረልና። ንዝሞቱ ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት፣ ተጋድሎኦም ፈጺሞም ንዝዓረፉ ኣክሊለ ሕይወት፣ ንዝኃዘኑ ምጽንናዕ፣ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ፣ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ፣ ንዝገሹን ዝወፈሩን ድማ ኣሳልጦ ሂቡ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይምለሰልና።

ብኃይለ መስቀሉ ካብ ኵሉ ፈተና ክሕልወና፣ በዓልና ክቕድሰልናን ሃገርና ክባርኸልናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195