banner

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2012 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2012 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ሎሚ ዕለት 17 መስከረም 2012 ዓ.ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ዝለውዎም ውሽጥን ወፃእን ሃገር ክኽበር ከሎ ብፍላይ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ውሉደ ክህነት፡ ላዕለዎት ኣካላት መንግሥቲ፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ዲፕሎማት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣሥመራ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ. ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል በቦታኦም ምስ ኃዙ፡ ሥርዓተ ኣከባብራ በዓለ መስቀል ብድጋም ውዳሴ ማርያም ጀሚሩ።

ብለባስያን ካህናት ዝተመርሐ ሥርዓተ ቅዳሴ ክሳብ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ። ብሠለስተ ዲያቆናት ብልዑል ቃል “ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፡ ከም ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፡ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ / ነቶም ዝፈርሁኻን ዘፍቅሩኻን ካብ ጸላኢ ዝድኅንሉ ምልክት ሃብካዮም” (መዝ. ዳዊት 60፡4) ኢሎም ምስ ሰበኹ ካብ ወንጌለ ዮሐ. 19፡25-27 ብዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ተነቢቡ።

ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን ድማ “መስቀል አብርሃ . . .” እናበሉ ምዑዝ ያሬዳዊ ዜማ ኣስሚዖምን ኣሸብሺቦምን።

ኣሰር ሊቃውንት ተኸቲሎም፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ “ኣፍ ደጌታት ሲኦል ኣይክኅይልዋን እዮም” ማቴ. 16፡18 ብዝብል መሪሕ ቃል መንፈሳዊ ምርኢት ኣቕሪቦም። ድባብን መስቀልን ኣምሪሖም ቅድም ሕፃናት “መስቀል ኃይልነ” እናበሉ ብልዑል ልሳን ሕፃን እናዘመሩ ምስ ኃለፉ መንእሰያት ብወገኖም ብሥምረት እናዝየሙ ስዒቦሞም። ብሃይማኖታዊ ቅንኣት ሓበንን ጽላል ቤተ ክርስቲያንን ዝኾና ኣደታት ድማ ስየ ኂዘን ኢደን ዘርጊሐን እግዚኦታን ግጥምን ኣስሚዐን።

ቤተ ክርስቲያንን ፈተናታታት ዘርኢ ኪነ ጥበባዊ ምርኢት ምስ ተራእየ፡ ንተረክቦተ ቅዱስ መስቀል ዝገልጽ መንፈሳዊ ተዋሥኦ ብመሣጢ ኣገባብ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ በዓል ዘነቓቕሕ መዝሙር ብመንእሰያት ትምህርተ ሰንበት “ናይ ጸልማት ዘመን ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ኣብ ዓለም ተወሊዑ፡ ከም ኃፍቲ ሙሴ ብከበሮ ንዘምር ንበል ንሴብሖ” ዝብል ተዘሚሩ።

ብድኅር’ዚ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ካብ ቀዳማይ መልእክቲ ቅዱስ ጴጥሮስ (2፡24) መበገሲ ኣርእስቲ ትምህርቲ ዝገበረ፦ ንትንቢት ነቢያትን ንስብከተ ሐዋርያትን ዘካተተ ንውዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ንታሪክ ተረክቦተ ቅዱስ መስቀልን ዝገልጽ ትምህርቲ ተዋሂቡ ።

ለባስያን ካህናትን ዲያቆናትን መስተብቍዕ ዘመስቀል ብላዛ ዘለዎ ንባብን ጣዕመ ዜማን ምስ ኣዝየሙ፡ ብመሪሕነት ዓቃቤ ወንበር ኣቡነ ጴጥሮስ ከምኡ’ውን ኣቡነ ሉቃስ ጸሎተ ምህላ በጺሑ። ፍጻሜ ናይ መርሐ ግብር ዝኾነ ሽግ ደመራ ድማ ተወሊዑ።

እዚ ሃይማኖታውን ትውፊታውን ሃገራውን በዓል ዝኾነ በዓል ቅዱስ መስቀል ንልዕሊ 1700 ዓመት ዝብዓል ዘሎ ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን በረኸት ናይዚ ክቡር በዓል ንምስታፍ ኵሉ ሕዝበ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ካብ ጊሓት ክሳዕ ረፋድ ብዓቢይ ተመስጦን ሃይማኖታዊ ሓበንን ኣኽቢሩ።

መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ፅንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ ውእቱ ለእለ ነአምን ኪያሁ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195