banner

መበል 18 ዓመተ ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን (ኣኽርያ) ብመንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ!

መበል 18 ዓመተ ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን (ኣኽርያ) ብመንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ!

ብዕለት 18 መስከረም 2012 ዓ.ም. መበል 18 ዓመተ ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን (ኣኽርያ) ኣብ ትሕቲ “ንድኅነት ገዛኣ ርእስኹም ሥርሑ” (ፊል. 2፡12) ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብመንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ!

ብመሠረት ኣቐዲሙ ንክልተ ሰሙን ዝተሠርዐ መደባት ዝኣኽል መንፈሳዊ ዕቤት ዘምጽኡ ሓፈሻዊ ፍልጠትን ከምኡ’ውን ‘ካብ ገቢረ ኃጢኣት ገዛእ ርእስካ ምግታእ፡ ምጥፋእ ሕማቅ ወልፍታት’ ዘተኮሩ ዓውደ መጽናዕታት ቀሪቡ።

ሥዩማነ እግዚአብሔር ካህናትን ዲያቆናትን፣ ምእመናትን ምእመናንን ብቍጽሪ ብዝኅ ዝበሉ መንእሰያት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዕለት 18 መስከረም 2012 ዓ.ም መዛዘሚ ናይ’ቲ ዝቀነየ መደባት ተቃኒዑ። እቲ መደብ ብጸሎት ምስ ተጀመረ ነቲ በዓል ኢሎም ዝተደርሱ ሓደስቲ መዛሙር፡ ሥነ ጽሑፍ ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ተዋሥኦን ያሬዳዊ ዜማን ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ዕለት ብመሥረቲ ትምህርቲ ሰንበት ዝኾኑ ናይ ሎሚ ካህናት ዲያቆናትን ዓበይቲ መንእሰያትን ነቲ ዕለት ፍሉይ ድምቀት ዝህብ መዝሙር ክቀርብ ከሎ፡ ብቀሲስ ኣፈወርቅ ግርማይ ድማ “ምእንቲ ናይ ገዛ ርእስኩም ድኅነት ሥርሑ” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ስብከታዊ ትምህርት ተዋሂቡ። ኣቦ ወንበር ናይ’ቲ ትምህርቲ ሰንበት ቀሲስ ኣፈወርቂ ግርማይ ኣብ ትምህርቶም “ ክፉእ ወረን ዘየድልይ ዕላላትን፡ ካብ ጽዩፍ ዘረባታት፡ ካብ ተሣልቆን ቀልድን፡ ሓሜት ክንርሕቕ ይግብኣና” ብምባል ንድኅነት ገዛእ ርእስና ክንዓየሉ ዝግብኣና ዘመን ምዃኑ ካብ ቅዱሳት መጽሓፍት ታሪክን ንባብን ኣዋሒዶም ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ብወረብን ሸብሸቦን ዝተሰነየ ድሙቕ ያሬዳዊ ሸብሸቦ ምስ ቀረበ፡ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብዲያቆን ተስፋይ ቀሪቡ። ንዕዉታት ሓፈሻዊ ፍልጠት ሽልማት ምስ ተዋህበ እቲ መደብ ብጸሎተ ምህላ ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195