banner

ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ቆይሙ!

ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ቆይሙ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድሚ ኃሙሽተ ዓመት ብዘውፅኦ መምርሒ መሠረት፣ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ኵለን ኣህጉራተ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናትና መንፈሳዊ ጕስነተንን ምኅደራአንን ንምኅያልን ንምምእካልን ዝሕግዘን፣ በብከባቢአን ተጠርኒፈን ብደረጃ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝመኃደራሉ ኣገባብ ክቐውም ከምዝወሰነ ይዝከር። 

ንሕገ ቤተ ክርስቲያን (60-61) መሠረት ገይሩ ብዝጸደቐ መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ በብደረጃኡ ክትግበር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም መቐጸልታኡ ድማ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተመሥሪቱ።


እዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት’ዚ ነተን ሕዝበ ክርስቲያን፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽበለን ዝጸንሐ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያናትን ብርክት ዝበላ ብሰበኻ ጉባኤያት ዝመኃደራ ማኅበረ ምእመናን ዝውክልን ዝጥርንፍን ኮይኑ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ብዕለት 7 መስከረም 2012 ዓ.ም. ቆይሙ። ኣብ ዝተገብረ መሥራቲ ጉባኤ ድማ ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንሠለስተ ዓመት ዘመኅድሩ ምምኅዳር ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብሓፈሻዊ ጉባኤ ተመሪጾም።

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፦ ኣብ ዘሰምዕዎ ቃለ ምዕዳን ጥቕሚ ምቋም ንኡስ ሃገረ ስብከት ድኅሪ ምዝርዛር፣ ቤተ ክህነትን ምእመናንን ሓድነቶም ኣጽኒዖም፣ መጓሰኦም ከኀይሉ ኣዘካኺሮም።

ብዘይካ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተለኣኹ ካህንን፣ ሓድሽ ታቦተ ማርያምን ኂዞም ኣብ ጽርሐ አርያም ቅድስት ማርያም ከተማ ፐርዝ ብምእታው ሓዋርያዊ ዕዮ ፈጺሞም።

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፦ ካብ ኣሥመራ ብዕለት 29 ነሐሰ 2011 ዓ.ም. ተበጊሶም ክሳዕ 11 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝጸንሑሉ መዓልታት ብጸሎተ ቅዳሴ ሕዝቦም ባሪኾምን፣ ንሾብዓተ ተማሃሮ ከኣ መዓርገ ዲቁና ሠይሞምን ኣብ መልበረ፡ ኣድላይትን ፐርዝን ሓዋርያዊ ዑደት ድኅሪ ምፍጻም ብዕለት 13 መስከረም 2012 ዓ.ም. ናብ ኣሥመራ ብሰላም ተመሊሶም።

ብተመሳሳሊ ምቋም ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ኣብተን ተሪፈን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ወፃኢ ሃገር ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195