banner

ቅዱስ ሲኖዶስ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ እተርቅቕ ኮሚቴ መዚዙ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ እተርቅቕ ኮሚቴ መዚዙ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 19 መስከረም 2012 ዓ.ም (30/09/2019 ፈ) ከም መቐጸልታ ብዕለት 22 ነሓሴ 2011 ዓ.ም (28/08/2019) ዘካየዶ ጉባኤኡ፣ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ እተርቅቕ ኮሚቴ ኣባላት መሪጹ! እዛ 7ተ ዝኣባላታ ኮሚቴ እዚኣ ካብ ኵሎም ኣካላት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቖመት ኮይና ሓደ ካብ ገዳማት፣ ሓደ ካብ ጉባኤ ሊቃውንት፣ ሓደ ካብ ካህናት፣ ሓደ ካብ ምእመናን፣ ሓደ ካብ ትምህርቲ ሰንበት፣ ሓደ ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሓደ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ሃገረ ስብከታት ይርከብዋ። ከም ኣገዳስነቱ’ውን ብሞያ ዝተሓጋገዙ ናይ ሕጊ ኣማኸርቲ’ውን ክሳተፉ እዮም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ጉባኤኡ፣ ቅድሚ ምርጫ ፓትርያርክን ካልእ ተዛማዲ መሥርሓቱን፣ ኣገዳስነት ምቋም እዛ ኮሚቴን ዘለዋ ዕማምን ብምንጻር ቅድሚ ሕጂ ንዝተኻየዱ መሥርሕ ምርጫታት ፓትርያርካት ንዝነበሮም ብልጫታትን ድኽመታትን በብሓደ ተመልኪቱ።

ንምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ንሕገ ቤተ ክርስቲያን (ኣንቀጽ 84-90) መሠረት ዝገበረ ምስ ህልዊ ኣቃውማን ቅርጺ ምኅደራኣን ብምስምማዕ፣ ሥርዓትን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ’ውን ተሞክሮ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ከም ሠናይ ጸጋ ብምውሳድ፣ ከምኡ’ውን ንህልዊ ስፍሓትን ዝርግሐን ሃገረ ስብከታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብጽሑፍ ዝተወቕረ ንኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዘሳትፍ፣ ግሉጽን ኣተኣማማንን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ዝተመኃየሸ ሕገ ምርጫ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ምድላው ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣነጺሩ።

ስለዝኾነ’ውን ኣብ ዝዳሎ ሕጊ ምርጫ፦ ኣቃውማ፣ ዕማም፣ መዝን ተግባርን ኣምራጺ ኮሚቴ፣ መሥርሕን ኣገባብን ምሕጻይ ከምኡ’ውን መምዘኒ ሕጹያት፣ ምንጻር መምዘኒ መረጽትን ኮታን ምዝገባ መረጽትን፣ መስርሕ ምርጫን ምድማጽን፣ ቍጽጽር ምርጫን ተዓዘብትን ዝብሉ ኣርእስተ ነገራት ብዝግባእ ተነጺሮም ክቐርቡ ከምዘለዎም ኣትኪሩ ተዛራሪብሉ።

እዛ ዝቖመት ኮሜተ ዝተዋህባ ዕማም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርኂ ዛዚማ ንቅዱስ ሲኖዶስ ጸብጻባ ከተቕርብ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195