banner

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ን28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፡ ንኽልተ ዲያቆናት ድማ ብመዓርገ ክህነት ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ን28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፡ ንኽልተ ዲያቆናት ድማ ብመዓርገ ክህነት ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም! 

ብዕለት 27 መስከረም 2011 ዓ.ም. ን28 ብመዓርገ ዲቁና፡ ንኽልተ ድማ ብመዓርገ ክህነት ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቮሎ ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም! 

ኣብቲ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መሪጌታ ዘርአ ኣስመላሽ፣ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መሪጌታ ሚካኤል ፍትዊ ከምኡ ውን መምህራንን ወለድን ዝተረኽቡሉ ሥርዓተ ሢመት፡ ዝግባእ ጸሎትን ቡራኬን ምስ በጽሐ፡ 28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና ክሥየሙ ከለዉ ክልተ ዲያቆናት ድማ ብመዓርገ ክህነት ተቐቢኦም።

ብሓፈሻ ካብ ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ዝመጹ 99 ተመሃሮ ንመዓርገ ዲቁና፡ 11 ዲያቆናት ድማ ንመዓርገ ክህነት ንኽሥየሙ ብድምር 110 ናብ ፈተነ ክቐርቡ ከለዉ፦ ድኅሪ ብቓልን ጽሑፍን ዝተገብረ መምዘንን መርመራን 28 ተማሃሮ ንመዓርገ ዲቁና፡ 2 ዲያቆናት ድማ ንመዓርገ ክህነት ብቑዓት ኮይኖም ተረኺቦም። 

በዚ መሠረት ሥርዓተ ሢመት ምስ ተፈጸመሎም፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን፡ "ካብ ሎሚ ንደኃር ንሢመት በቒዕኩም ኃላፍነት ኣገልግሎተ ኣምላክ ተቐቢልኩም ስለዘለኹም ብፈሪሀ እግዚአብሔር ነቒሕኩም ኣገልግሉ፣ ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ምግባርኩም ኣጸቢቕኩም ንሕዝቢ ብትግሃት ኣገልግሉ . . . " ክብሉ ከለዉ፡ ተሠየምቲ ድማ ብጸሎቶም ክረድእዎም ተማኅፂኖም። መምህራንን ወለድን ድማ ብዕልልታን ጣቕዒትን ሓጐሶም ገሊጾም። 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195