banner

ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ ተመሥሪቱ!

‘ምክዕቢተ ፍሥሐ’ ኣብ ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ሓውሻ!

ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም. ድርብ ሓጐስ ዝተኣንገደትላ ዕለት እያ። ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ክኽበር ከሎ ብተወሳኺ ድማ በዚ ዕለት እዚ ኣብቲ ቦታ ‘ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ’ ከም ዝተገደመ ተኣዊጁ።

ሊቃውንት መዘመራን፡ ንስብሐተ ዋዜማ ካብ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. - 5፡30 ድ.ቀ. ምስ ኣብጽሑ፡ ብሰባክያነ ወንጌል ንገድለ ቅድስት ኣርሴማ መሠረት ዝገበረ ስብከተ ወንጌል ክሳዕ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ተኻዪዱ።
ካብ ዝተፈላለየ ገዳማት ዝመጹ መነኮሳት ዝመርሕዎ ጸሎተ ሰዓታት ብምዑዝ ዜማን ህዱእ ኣገባብን ስለ ሕዝብን ሃገርን ኵሉ ዓለምን በጺሑ።

ሊቃውንት መዘመራን ድማ ብወገኖም ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ክሳዕ ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. ከብጽሑ ኃዲሮም።
ማእሠርያ ጸሎት ዝኾነ ጸሎተ ኪዳን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓርትያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ምስ በጽሐ ‘ጸሎተ ንስሐ’ ተደጊሙ።

ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳዕ ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ. ተሠሪዑ፡ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ብማኅሌት መዘምራን፡ ብመዝሙር መንእሰያት፡ ብምህላ ኣቦታትን ኣደታትን እናተዓጀበ ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ንነፍሲ ዝምስጥ ወረብ ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ነቲ በዓልን ህልው ኵነታትን ዝምልከት ቃለ እግዚአብሔር ብመምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ተዋሂቡ።

ኣመኃዳሪ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ቀሲስ ሚካኤል በየነ ‘እንቋዕ ኣብጽሓና’ ድኅሪ ምባል ብስም ቅድስት ኣርሴማ ደብረ ደናግል ክግደም ብድሌት ዓድን ብፍቓድ ሲኖዶስን ከም ዝተወሰነ ገሊጾም። ዝተኃልፈ መሥርሕን ዝተገብረ መጽናዕትን ክገልጽ ከሎ ቀሲስ ሚካኤል፦ ‘ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢኡን ዝርከብ ክፋል መሬት ብስም ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ ክግደም ብናይ ዓዲ ሓውሻ ሰበኻ ጉባኤን ምምኅዳር ዓድን ሕዝብን ብዝቐረበ ሕቶ መሠረት ልኡኻት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብዕለት 12 መስከረም 2012 ምስ ኣነባበርቲ ዓድን ሕዝብን ተራኺቦም እወታዊ ግብረ መልሲ ኂዞም ጸብጻቦም ምስ ኣቕረቡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተፈቒዱ ኣሎ።” ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ንቅዱስ ሲኖዶስ ወኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ ድኅሪ ዝተገብረ መጽናዕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 28 መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ዝገበሮ ጉባኤ ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ኣስፊሑ ምስ ተዘራረበሉ ብስም “ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ” ኪግደም ዝወሰነ ምዃኑ ነበሥረኩም። ኣብዚ ቀጽሪ ደኲነን ዘለዋ መነኮሳይያት ገዳም ክሓንፃ ቅዱስ ሲኖዶስ ፈቒዱለን ስለዘሎ ገበርቲ ሠናይን ሕዝበ ክርስቲያንን ከምኡ’ውን ሕዝቢ ዓዲ ሓውሻ ዓቅሞም ዝፈቐዶ ክተተሓጋገዝወን ሓደራ ንብል። እዚ ዝቐውም ገዳም ንዓድን ንሕዝብን ዓዲ ሓውሻ ከምኡ’ውን ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ዓቢይ በረኸት እዩ” ኢሎም። ነዚ ዓቢይ ብሥራት ምስ ተኣወጀ ኣቦታት ብጣቕዒት፡ ኣደታት ድማ ብዕልልታ ሓጐሶም ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት እግዚኦታ ምስ በጽሐ ታቦት ብዓቢይ ክብሪ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ።

እዚ ዝተገደመ ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ኣብ ዓዲ ሓውሻ ዝርከብ እዩ።

እዚ ቦታ’ዚ ካብ ጥንቲ ቅድስናን በረኸትን ቅዱሳን ዘይተፈልዮ፡ ብዙኃት መናንያንን ባሕታውያን ድምፂ ኣራዊትን ጸብኢ ኣጋንንትን ተዓጊሦም ዝጽልይሉ ዝነበሩ በዓትታትን ናታቶም ኣዕጽምትን ክሳዕ ሎሚ ዘለዎ ቅዱስ ቦታ እዩ።

እንሆ ድማ ሎሚ ፈቃደ እግዚአብሔር ኮይኑ ብምንኩስና ጸኒዐን ብጸሎት ተወሲነን ኣብ ዕዮ ወንጌል ዝነጥፋ ደቀ ኣንስትዮ ዝቕመጣሉ ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካልኣይ ገዳም ደቀ ኣንስትዮ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። 

ብዕለት 13 ጥቅምት 2010 ዓ.ም. ቀዳማይ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ ኣሥመራ) ከም ዝተገደመ ዝፍለጥ ኮይኑ ክሳዕ ሕጂ ዓቢይ መንፈሳዊ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ኵሉ ዝምስክሮ እዩ።

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195