banner

ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቈይሙ!

ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቈይሙ!

ዕለት 01 ጥቅምት 2012 ዓ.ም.፡ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕን ቀሲስ በረከት ኪዳነ ኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት ዘመንበረ ፓትርያርክን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኃሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝጥርንፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቈይሙ።

እዘን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኃሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ድማ ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኪጋሊ ሃገረ ሩዋንዳ፡ ሐመረ ኖኅ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ፡ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ካምባላ ሃገረ ኡጋንዳ፡ ኣብ ምምሥራትን ምሕናፅ ቤተ ክርስቲያንን ዝቀረበት ማኅበር መድኃኔ ዓለም ጉሉ ሃገረ ኡጋንዳ ከምኡ’ውን ደብረ ገነት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጁባ ሃገረ ደቡብ ሱዳን እየን።

ኣብ ወግዓዊ ምቓም ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኪጋሊ ሃገረ ሩዋንዳ ጉባኤ ምስ ተሠርዐ፡ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ብጸሎትን ቡራኬን ጀሚሮሞ።

ምልኣተ ጉባኤ ናይተን ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ጉባኤ ዝተዓደማ ኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርዝርን ብዝኂ ወከልተንን ምስ ተረጋገጸ፡ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ መልእክቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብጺሖም። ብፁዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ፦ “ክልተ ወይ ሠለስተ ብስመይ ኣብ ዝተጋባእክምሉ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ኣለኹ’ ብዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ ቅድም ኣብ ቅዱሳን ሓዋርያት ደኃር ድማ ኣብ ቅዱሳን ሊቃውንት ሠለስቱ ምእት ኣብ ማእከሎም ኣብ ዝተረኽበሉ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያና ሕግን ሥርዓትን ገዲፎምልና እዮም። ነዚ ናታቶም መሠረት ብዝገበረ ቃል ዓዋዲ አንቀጽ 60ን 61 እንሆ ንኡስ ሃገረ ስብከት ይቘውም ኣሎ‘ሞ እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ይሃሉ። ንዓኻትኩም ደቀና ኣብ ዓዲ ስደት እተገልግሉን እትግልገሉን ዘለኹም ድማ ፃማኹም ይሃብኩም። . . . ኣብ ዝኃለፈ ዓመታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዙኅ ዕንኪልልን በለካ ለኽዓካን ዘይተደልየ ፈተናታትን ከም ዝጸንሐት ንዅሉ ብሩህ እዩ፡ ሕጂ ግን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣይገደፋን ሃይማኖታን ሕዝባን ክትሕሉ ትጋደል ኣላ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትኩም ምሳኹም ኣሎ እሞ ሓዋርያዊ ጕስነትኩም ከተጽንዑ ንምሕፀን” ብምባል ኣባታዊ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም።

ቀጺሎም ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያትን ተወከልትን ነናይ ዘገልግልወን ኣብያተ ክርስቲን ኣመሠራርታን ምኅደራን ብዝኂ ኣባላት ትምህርተ ሰንበትን ብዝኂ ምእመናንን ምእመናትን ዝገልጽ ንተጋባእቲ እዋናዊ ሓበሬታ ኣቕሪቦም።

ብድኅሪ እዚ መምርሒ ቃለ ዓዋዲ ምስ ምሉእ ትኅዝቶኡ ብምንባብ ተወሳኺ መብርህን ሓበሬታን ምስ ተዋህበ፡ ካብ ተሳተፍቲ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶታን ቀሪቦም። ኣብ መወዳእታ፡ ኣምራጺት ኮሚተ ተረቒሓ ብግሉጽ ኣገባብ ምርጫ ተኻይዱ። በዚ መሠረት ድማ በቶም ዝለዓለ ድምፂ ዝረኸቡ ክልተ ካብ ካህናት፡ ክልተ ካብ ምእመናን፡ ሓደ ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝጠርነፈ ኃሙሽተ ዝኣባላቱ መንፈሳዊ ምምኅዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቈይሙ።

ብድኅር’ዚ እቲ ጉባኤ ብምስጋናን ጸሎትን ብሰላም ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195