banner

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ከተማ ኪጋሊ ሃገረ ሩዋንዳ ቅዳሴ ቤቱ ተኸቢሩ!

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ከተማ ኪጋሊ ሃገረ ሩዋንዳ ቅዳሴ ቤቱ ተኸቢሩ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝተረኽብሉ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ከተማ ኪጋሊ ሃገረ ሩዋንዳ ቅዳሴ ቤቱ ተኸቢሩ!

ብድሮ ቀዳም ዕለት 1 ጥቅምቲ 2012 ድ.ቀ. ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና እዚ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተቐብአ ታቦተ ሕጉ ብኽብሪ ኣትዩ። ሊቃውንት መዘምራን ድማ ስብሐተ ዋይዜማ ብዝግባእ ኣብጺሖም። 

ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ክሳዕ ሰዓት ኃሙሽተ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ፡ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓተ ቅድሚ ቀትሪ ብመሪሕነት ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ታቦት ብውሉደ ክህነት፡ ሊቃውንት፡ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን ብዕልልታን ጣቕዒትን ምእመናን ተሰንዮም ከሸብሽቡ ከለዉ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ድማ መሣጥን ድሙቕን መዛሙር ኣስሚዖም። ቀጺሎም ኣመኃዳሪ ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ካህናት ሰሎሞን ገብረኣምላክ ኵነታት ኣመሠራርታን ዝተኃልፈ መሥርሓትን ብዝርዝር ድኅሪ ምግላጽ ቃል ምስጋና ምምኅዳር ሰበካ ጉባኤ ኣቕሪቦም።

ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ዜና ማርቆስ ሊቀ ጳጳስ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮን፡ ናይ ክልተኦም ሕዝብታት ምክብባርን ተሰማሚዕካ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋልን ኣዝዩ ከምዘሐጕሶምን ብናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሓዋርያዊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣዝዮም ከምዝተመሰጡ ገሊጾም። 

ኣመኃዳሪ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ጁባ ቀሲስ ሳሙኤል ቀሲስ ኣብርሃ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ‘ነዚ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ሕውነትን ሓቢሮም ምሕናፆም ሓደ ካብ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ምፍጻም ምዃኑ ተዛሪቦም። ኣብ መወዳእታ “ሰላመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ተባሂሉ ጸሎተ ምህላ ምስ ተጸለየ ብቡራኬን ጸሎትን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ታቦተ ሕጉ ናብ መንበሩ ኣትዩ። 

ብምኽንያት’ዚ ዕለት ኣብ ዝተሠርዐ ናይ ምሳሕ እንግዶት ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ ሩዋንዳ፡ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣምባሳደራትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ነይሮም።

ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቦና፡ ኣሥራሒት ኮሚተ ሕንፃን ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩን ናይ ምስጋና ወረቐት ክወሃቡ ከለዉ ንኣቶ ተኽላይ ጠዓመ ድማ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተላእከ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ።

እዞም ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ብቝጽሪ ኂደት እኳ እንተኾኑ ቅንዓት ሃይማኖቶም ዓቢይን ተግባሮም ብዙኅን ብምዃኑ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ታቦትን ካህንን ተቐቢሎም ኣብቲ ክግልገልሉ ዝጸንሑ ጊዜያዊ ቦታ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ምሉእ ዋንነት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሓድሽ መሬት ዓዲጎም ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ብምሕናፅ ንምምራቕ በቒዖም ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195