banner

ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ተቓኒዑ።

ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ተቓኒዑ።

ካብ 22-23 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም.ግ. (1-2 ኅዳር 2019 ዓ.ም.) ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ባርካን ድባርዋን ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራን ከምኡ’ውን ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ምክትል ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተወከሉ ካህናትን ዲያቆናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ሂዩስትን ክፍሊ ግዝኣት ቴክሳስ ተቓኒዑ።


እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ ብመሠረት እቲ ብሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ብሓፈሻ ንህሉው ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን፣ ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ነበር፡ ገዳማት ኤርትራ፣ ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝድህስስ ዛዕባ ዘተኮረ እዩ ነይሩ። ብተወሳኪ ንኅሉፍን ህሉዊን ከምኡ ድማ ንመጻኢ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሕ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ። ተጋባእቲ ብፍጹም ናጽነትን ግሉጽነትን ሕቶታቶም ኣቕሪቦም። ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ’ውን ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽባር ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ንውሳኔታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ግብሪ ከውዕላ ጽኑዕ መምርሒ ተመሓላሊፉ።

ብዝኂ ተሳተፍቲ ካብቲ ናይ ቀደም ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸን ኣዝዩ ንቑሕ ተሳትፎ ዝነበሮ ምንባሩ’ውን ተሓቢሩ። ቀዳም ምሸት ድማ ብፁኣን ኣቦታት ኵሉ ዝዝረብን ዝሕተትን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ኵሎም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ሓድነትን ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ፣ ካብ ዝፈላለዮም ኣጀንዳታት ክርሕቑን ነንሕድሕዶም ሕድገት ከም ዝገብሩ ብምግባር ብናይ ሓጎስ መዝሙርን ብጸሎትን ብቡራኼ ብፁኣን ኣቦታት ብዓወት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195