banner

በዓለ ትንሣኤ 2011 ዓ.ም. ብድምቀት ተባዒሉ!

በዓለ ትንሣኤ ብድምቀት ተባዒሉ!

በዓለ ትንሣኤ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃኑ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብኽብርን ድምቀትን ተባዒሉ። ሕዝበ ክርስቲያን ንኃምሳን ኃሙሽተን መዓልታት ጾይሞም፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እናዘከሩ፡ ዓርቢ ስቕለት ብሕልና ምስ ጐይታና ተሰቒሎም ውዒሎም። ኣብዛ ብገዛእ ፍቓዱ ንነፍሱ ካብ ሥጋኡ ፈልዩ፡ ናብ ሲኦል ወሪዱ ‘ሰላም ንኣኻትኩም’ ኢሉ ነፍሳት ዘድኃነላ ሰዓት ‘ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ’ እናበሉ ብሓባር ዘመሩን ኣሸብሸቡን።

ኣብ ቀዳም ስዑር ኣብያተ ክርስቲያን ‘ሞት ጠፍአ፣ ኃጢኣት ተደምሰሰ፣ ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ናብ ገነት ተሳገራ’ እናበላ ንሕዝበ ክርስቲያን ሰቲ ኂዘን ከበሥራን ሰቲ ክዕድላን ውዒለን። 

ምሸት ቀዳም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ነዚ በዓል ዝምልከት ንባባትን ጣዕመ ዜማን ከብጽሑ ከለዉ፡ እንሆ ድማ ኣብዛ ክርስቶስ ዝተንሥኣላ ጊዜ ፍርቂ ለይቲ ሰንበት ብሥራተ ትንሣኤኡ ንምእዋጅ፡ 

“ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን - በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡

አሰሮ ለሰይጣን - አግዐዞ ለአዳም፡ 

ሰላም - እም ይእዜሰ፡

ይኩን - ፍስሓ ወሰላም።

/ ክርስቶስ  ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ፤ ንሰይጣን ኣሰሮ፡ ንኣዳም ናፃ ኣውፅኦ፤ ካብ ሕጂ ንደኃር ሰላምን ሓጐስን ይኹን’ እናበሉ ካህናት መስቀል ኣሳሊሞም። ብተሳትፎ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ ብጸሎተ ቅዳሴ ፍጻሜ ናይዚ በዓል ኮነ።

ኵሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክሳዕ ወጋሕታ እናመጸ መስቀል ብምስላም፡ በረኸት ናይዛ ዕለት’ዚኣ ተሳቲፉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195