banner

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ - 8 ሐምሌ

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነቶም ብፍጹም ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዖም ኣብ እግዚአብሔር ዝተኣመኑ፡ ኣብ ዓለም ዘይሮም ዝመሃሩን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ዘገልገሉ፡ መዓልትን ለይትን ለይትን ልሳኖም ካብ ስብሐት እግዚአብሔር ዘየባተኹ ቅዱሳን ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ሰማዕታትን ጻድቃንን ተኽብሮምን ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈ ዜና ገድሊ ትቕበልን ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ድማ ንደቃ ምእመናን ትምህርን።

ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ድማ ቅዱስ ኣቡነ ኪሮስ እዩ።

ኣቡነ ኪሮስ ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት “ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ/ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር” ዝበሎ መዘከርታኡ ንዘለዓለም እናበርሀ ዚነብር፡ በቲ ዓቢይ ገድሎምን ክብሮምን ፍሉይ ውህበቶምን ድማ ይፍለጡ።

ኣቡነ ኪሮስ፡ ወዲ ሓደ ንጉሥ ዮናኒ ግብጻዊ እዮም። ኣቦኦም ኣብያ፡ ኣደኦም ከኣ ኔናስራ ይበሃሉ። ወለዶም 40 ዓመት መኺኖም ምስ ነበሩ ኔናስራ መንታ ኣወዳት ወለደት። ነቲ ዓቢይ ቴዎዶስዮስ፡ ነቲ ንእሽቶ ድማ ዲላሶር ኢሎም ሰመይዎም። ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኸኣ ኣዕበይዎም።

ኣቦኦም ምስ ሞተ ቴዎዶስዮስ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ተቐሚጡ፡ መንግሥቲ ኣቦኡ ወረሰ፡ ዲላሶር ድማ ንኃዉ ካብ’ቲ ናይ ኣቦይ ሃብቲ ብጽሒተይ ክፈለኒ በሎ። ቴዎዶስዮስ ግና እቲ ናተይ ናትካ፡ እቲ ናትካ ናተይ እዩ’ሞ ኣብ ትሕተይ ድላይካ ውሰድ ኢሉ መለሰሉ።

እንተኾነ ዲላሶር ነቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሰብ ከ ኵሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፈአ እንታይ ይጠቕሞ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ” (ማቴ. 16፡25)፣ “ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ኣኅዋት፡ ኣኃት፡ ኣቦ ፡ ኣደ፡ ሰበይቲ፡ ውሉድ፡ ግርሁ ዝሓደገ ኵሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኪረክብ እዩ፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት’ውን ኪወርስ እዩ። (ማቴ. 19፡29) ዝበሎን ተረዲኦም ብጽምዋ ለይቲ መኒኖም ከዱ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ በዓቲ ድማ ተቐመጡ። ኣብኣ 10 መዓልቲ ምስ ጸንሑ ግና መንፈስ ቅዱስ ፦ “ኪሮስ ኪሮስ ኪሮስ ኣቦ ብዙኃት መነኮሳት ክትከውን ኢኻ ሥርናይ ኪሠምረልካ ማለት ጽድቂ ኪፈርየልካ፡ ክርዳድ ኪመሓወልካ፡ ብጸሎትካ ኸኣ ኃጢኣት ኪኅደግ ማለት እዩ እሞ ናብ’ቲ ዘርእየካ በዓትታት ኪድ ኣብኡ ድማ ሓደ መነኮት ክትረክብ ኢኻ” በሎ።

ኣቡነ ኪሮስ ከኣ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዞ ናብ’ቲ ዝተነግሮ በዓትታት ከደ። ኣብ’ቲ በዓትታት ድማ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ጸጉሪ ርእሱ ክሳዕ እግሩ ዚበጽሕ ባሕታዊ ኣባ በብኑዳ ዝተባህለ ጸንሖ። ኣኽቢሩ ድማ ብሠናይ ተቐበሎ፡ ቅንይ ኢሉ ከኣ ምንኵስና ኣልበሶ። ኣቡነ በብኑዳን ኣቡነ ኪሮስን ኣብ’ቲ ቦታ ብጽኑዕ ገድልን ትሕርምትን ጸሎትን ስግደትን ተጸሚዶም ኪነብሩ ኸለዉ ንኽልተኦም መንፈስ ቅዱስ ሰማያዊ ኅብስት ይምግቦም ነበረ።

እንተኾነ ሰይጣን ዝኃደሮ መነኮስ መንፈሳዊ ሰብ መሲሉ ናብኣቶም ኣትዩ ነታ ቝራስ ሰማያዊት ኅብስቲ ሰሪቑ ስለ ዝወሰዳ፡በዚ እግዚአብሔር ስለዝተቘጥዐ ኅብስቲ ካብ ሰማይ ምውራድ ደው በለ። ኣባ በብኑዳን ኣብ ኪሮስን በቲ ዝወረዶም ፈተና ተስፋ ከይቈረጹ ናብ እግዚአብሔር እናጸለዩ ኸለዉ ግና ኣባ በብኑዳ ብኣንበሳ ተሰብረ፡ እቲ ነታ ኅብስቲ ሰሪቑ ዝወሰዳ መነኮስ ከኣ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ከይዱ ኣጣቘሰ፡ ‘እቶም ማኅበር ከኣ እንታይ ገደሰካ’ ኢሎም ምስ ገሠጽዎ። ኣብ ቤቱ ከይዱ ሓፊሩ ተሓኒቑ ሞተ፡ ነፍሱ ድማ ናብ ሲኦል ወረደት።
ኣቡነ ኪሮስ ንነፍሲ እዚ ሰረቒ ንምድኀንን ኣማውታ ኣባ በብኑዳ ኪግለጸሉን 60 መዓልቲ ብኸብዱ ኣብ ምድሪ ደቀሰ። ሥጋኡ ተወድአ ኣዕጽምቱ ከም ዕፀዋት ገዳም ኮነ። ብድኅሪኡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቲስ መጺኡ ዳኅሠሦ እሞ ኵለንትናኡ ተሓደሰ።

ብዛዕባ ሞት ኣባ በብኒዳ ድማ “ኢሰማዕከኑ ዘይቤ መጽሐፍ ብፁዕ ብእሲ ዘአምላኩ ገሠፆ በዲበ ምድር” ዝብል ኪዝክር ነገሮ፡ እሞ ንነፍሲ እቲ ሰራቒ ኸኣ “ምሒረልካ ኣሎኹ” በሎ። ብድኅሪኡ ሞት ጻድቃንን ሞት ኃጥኣንን ብኸመይ ኣገባብ ከም ዚፍጸም ተዛዊሩ ከም ዚርእይ ገበሮ፡ ካብኡ ንደኃር ከኣ ኣቡነ ኪሮስ ብዙኅ ገድልታት ጾም፡ ጸሎትን ስግደትን ኣዘውተሩ።

ሓደ እዋን ደብረ ባሳት ናብ ዝተባህለ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ፡ “ሰላም ለኪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን” ኢሎም ድማ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙኅ ነብዑ፡ 700 ሰገዱ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም “ይኣኽለካ ጋሻ ኢኻ፡ ኣብቲ ኣዕፅምቲ ኣባታትካ ዘለዎ ተቐመጥ ካብኡ ኣይትኅለፍ” በለቶ። ኣብኡ እናጸለየ ኪነብር ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ተራእያቶ፡ “ኣብ መዝገብ ምሕረትን ድኅነትን ተመዝጊብካ ኢኻ” ኢላ ድማ ኣጸናንዓቶ። ካብኡ ኃሊፎም ኣብቲ ደብረ ባሳት ዝተባህለ ቦታ 65 ዓመት ዝተቐመጠ፡ 20 ዓመት ዝሓመመ፡ 15 ዓመት ናይ’ታ ገዳም መነኮሳት ዘይበጽሕዎ መላእኽቲ ጥራይ ሓደ ዚሕልውዎ ድኻ መነኮስ ረኸቡ። እዚ መነኮስ እዚ ወዲ ንጉሥ ነበረ። ኣቡነ ኪሮስ፡ ካብ ጻዕሪ ሞት ንኪዓርፍ ጸለየሉ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቱ ሰሚዑ ነታ ነፍሲ እቲ መነኮስ መላእኽቲ እናዓጠኑ ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ኸለዉ ርኣየ።

ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ነቶም መነኮሳት እታ ገዳም፡ ብዓረባውያን ወረርቲ ኣቕተሎም። ኵሎም ኸኣ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ዝረሓቑ ስለዝነበሩ ብመላእክተ ጽልመት ተወሲዶም ናብ ሲኦል ወረዱ፡ ኣቡነ ኪሮስ ነዚ ምስ ርኣየ ግና ነዞም ስሑታን እዚኣቶም እግዚአብሔር ብነፍሲ ምእንቲ ኪምሕሮም 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመን ጸለየን፡ መልሲ ምሕረት ስለዘይረኸበ ኸኣ መሊሱ ብዝባኑ ኣብ ርሱን እምኒ ሥጋኦም ከም ጥቡስ ዓሣ ክሳዕ ዚመስል ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ፡ ሕጂ’ውን ናይ ምሕረት መልሲ ስለ ዘይረኸበ ብኸብዱ ናብ’ቲ ርሱን ደቀሰ። ክልቲኤን ኣዕይንቱ ዓዊረን ምርኣይ ክሳዕ ዚስእና ኾኑ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ “ኦ እግዚአብሔር! ንስኻ መፍቀር ሰብ ኢኻ ኣብ መስቀል ደምካ ዘፍሰስካ ምእንቲ ኃጢኣት ሰብ ደኣ እምበር ምእንቲ ኃጢኣትካ ኣይኮንካን። ስለ’ዚ ድማ ምእንቲ ዝፈሰሰ ደምካ ኢልካ ነዞም ስሑታን መነኮሳት ክትምሕረለይ እልምነካ ኣሎኹ” እናበለ ጸለየ እሞ እቲ መዓቱ ዝረሓቐ ምሕረቱ ዝበዝኀ ኣምላኽ ኸኣ ነቶም 798 ዚኾኑ መነኮሳት ከም ብሓድሽ ተንሢኦም ኣብ ገዳሞም ተመሊሶም ከም ዚንስሑን ምሕረት እግዚአብሔር ከም ዚሰብኩን ገበሮም።

ኣቡነ ኪሮስ ነቶም ካብ ሞት ዝተንሥኡ መነኮሳት “ልብኹምን ሕሊናኹምን ኣይተትርሩ፡ ፍቕሪ ወርቅን ብሩርን ኣይሃልኹም፡ መብልዕን መስተን ኣይትፍተዉ፡ ጋሻ ምቕባል ተቐዳደሙ። ኅዙናት ናዝዙ፡ ሕሙማት ብጽሑ፡ እዚ እንተ ደኣ ጌርኩም ጸላኢኹም ዲያብሎስ ኪሓፍር እዩ። ኣብ ልዕሌኹም ድማ ገለ ዝኸሶ ነገር ኣይክረክብን እዩ፡” እናበሉ መዓድዎም።

ቅዱስ ኣብ ኪሮስ መፍቀሬ ጸሎት ስለዝነበሩ ን40 ዓመት ኣብ መሬት ወዲቆም ምስ ጸለዩ ኣብ ልዕሊኦም ሳዕሪ በቝሉ ነበረ። ካብዚ ዝተበገሰ በዓል ቅኔ ከምዚ ኢሉ ጉባኤ ቃና ተቐነየሎም።

“ዕቀብ ኪሮስ ሣዕረ ገዳማት ልብሰከ፣
ጣዕዋ ማትያስ አምጣነ ይበልዓ ለከ።”

ትርጕሙ “ኦ ኪሮስ፡ ጣዕዋ ማትያስ ምእንቲ ከይበልዓልካ ሣዕሪ ገዳም ዝኾነ ኽዳንካ ሓሉ” ክኸውን ከሎ፡ ምሥጢሩ ድማ ኣቡነ ኪሮስ 40 ዓመት ተዓጽዮም ኣብ መሬት ወዲቖም፡ ኣብ ገዳም ኪጽልዩ ኸሎ ሣዕሪ በቒልዎ ነበረ፡ ሓዋርያ ማትያስ’ውን ኣረማውያን ሣዕሪ ብኣፋ ኣብሊዖሞ ስለ ዝነበሩ በዓል ቅኔ ታሪኽ ምስ ታሪኽ ኣመሣጢሩ ተቀኒዮሎም።

ኣቡነ ኪሮስ፡ በቲ ዝተጋደልዎ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዚስዕብ ቃል ኪዳን ሃቦም፦

1. “ኦ ኣምላከ ኪሮስ ኃጢኣተአይ ይቕረ በለለይ” ኢሉ ስምካ ዝጸውዐ ኵሉ ኃጢኣቱ ክኃድገሉ እዩ። ንዘለዓለም ከኣ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ። ዝኽርኻ ዝገበረ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ንዝጸሓፈን፡ ዘጽሓፈን፡ ዘንበበን፡ ዝሰምዐን ኣሥራት ሂበካ እየ ስሙ ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ክጽሕፎ እየ። ቤተ ክርስቲያንካ ዝሓነፀ መባእን ዕጣንን ኵሉ ኣምኃ ብስምካ ንዝሃበ ወዱ ወይ ጓሉ ብስምካ ዝሰየመ ምሒረልካ እየ።” በሎ።

ዕለት ዕረፍቶም ከም ዝቐረበን ዚቐብሮም ድማ ኣብ ባውላ ዚብሃል ምዃኑን ነገሮም። ብድኅር’ዚ ኣብ 68 ዓመት ዓመተ ምንኵስናኦም ካብ’ዚ ዓለም እዚ ብዝማሬ መላእኽት ብኽብሪ ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ተፈልየት። እንሆ ኸኣ እቲ ሽዑ ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ቤተ ክርስቲያኖም ኣብ ዝተሓንፀሉ ሕሙማን ዚፍውስ፡ ጸበል እናፈልፈለ በቲ ተኣምራታዊ ገድሎም ተኣምራት እናተገብረ ክብሪ እግዚአብሔር እናተገልጸ ይነብር ኣሎ።

ሰላም ለኪሮስ ዘሰዐመ ገጾ በከናፍር፡
ወበዘባኑ ተፅዕነ እግዚአብሔር፡
ከመ ትጻእ ነፍሱ ዘእንበለ ጻዕር፡
ዳዊት ኀለየ በመስንቆ ሐዋዝ መዝሙር፡
ለጻድቅ ብእሲ ሞቱ ክቡር።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195