banner

“ብዕርቀ ሰላም ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሐ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።”

“ብዕርቀ ሰላም ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሐ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።”

ሰንበት 9 ሓምሌ 2009 ዓ.ም. (16/7/2017 ዓ.ም.ፈ) ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ኣበምኔት ገዳማትን መነኮሳትን፡ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን፡ ውሉደ ክህነትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም (ኣሥመራ) ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።


ኣቐዲሞም ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ስብሐታትን ቅኔያትን ምስ ኣብጽሑ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ‘አሐዱ አብ’ ኢሉ ጀሚሩ ክሳዕ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ ወንጌል ተነበ። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስቲ ዝተነበበ ቃለ ወንጌል ኣተኃኂዞም ሓፂር ትምህርቲ ምሂሮም። ድኅሪ’ዚ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳዕ እትዉ በሰላም ዝብል ምስ ተሠርዐ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ወፂኦም ብብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ጳጳሳትን ኵሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ሥምረት ገዳማትን ተሰኒዮም፡ ብሊቃውንት ተዓጂቦም ኣብ ኣፈ ቅድስተ ቅዱሳን ተረኺቦም።

ብድኅሪ’ዚ ኣባል ሽማግለ ዕርቀ ሰላም ዝኾኑ መምህር መልከጼዴቅ ሓፂር መልእኽትን ናይ እንቛዕ ሓጐሰና ቃልን ኣስሚዖም። መምህር መልከጼዴቅ ነታ ካብ ገዳማትን ሊቃውንትን ዝቘመት ሽማግለ ዕርቀ ሰላም ወኪሎም ኣብ ዘመኃላለፍዎ መልእኽቶም፦ ንጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዕርቀ ሰላም ኣብ ምዕራፉ በጺሑ ናብ ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ጉባኤ ሲኖዶስን ጸሎተ ቅዳሴን ንምብጻሕ ዝተኃልፈ ነዊኅን ኣድካምን መሥርሓት ድኅሪ ምግላጽ፡ ንዅሎም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያንን ፈተውቲ ቤተ ክርስቲያንን ‘እንቛዕ ሓጐሰና’ ኢሎም።

ከምኡ’ውን መምህር መልከጼዴቅ ንቃል ኣቡነ እንጦንዮስ መሠረት ብምግባር ኣብ ዘመኃላለፍዎ መልእኽቲ፦ ንሶም (ኣቡነ እንጦንዮስ) ድኅሪ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ናብ ቤተ ክርስቲያን ምጽንባሮምን ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ምስታፎምን ከም ዝተሓጐሱ ከምኡ'ውን እዚ ዕርቀ ሰላም እዚ ሓድነት ሕዝብን ጽንዓትቤተ ክርስቲያንን ዕቤት ሃገርን ዘምጽእ ክኸውን ዘለዎም እምንቶ ገሊጾም።

ቀጺሎም ጸሓፊ ቃለ ጉባኤ ሽማግለ ዕርቀ ሰላም ዝኾኑ ቀሲስ በረኸት ኪዳነ፦ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ ስምምዕ ቃለ ጉባኤን ምፍታሕ ቃለ ውግዘትን መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስን ንሕዝቢ ኣንቢቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣቡነ እንጦንዮስን ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብጣቕዒትን ዕልልታን ሕዝቢ እናተሰነዩ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ወፅኡ፡ ፍጻሜ ናይቲ ዕለት መርሐ ግብር ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195