banner

እንቋዕ ናብ በዓለ "ደብረ ታቦር" ኣብጽሓና!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ደብረ ታቦር

ዓመት መጸ፡ 13 ነሓሴ በዓል ደብረ ታቦር ይኽበር። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ሕዝበ ክርስቲያን ብቅዳሴን ውዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን፡ ብዝተፈላለየ ትውፊታዊ ሥርዓታትን የብዕልዎ። 
ደብረ ታቦር፦ ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡ ኣምላኽነቱ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚኦም ክዳኑ ከም በረድ ፃዕደወ፡ ገጹ’ውን ከም ፀሓይ በርሀ።

ተውሳክ፡ . . . እንቋዕ ናብ በዓለ "ደብረ ታቦር" ኣብጽሓና!

ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ዘሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ዘሰሙነ ሕማማት

ኣብ ነግህ (ሰዓት 7 ቅ.ቀ.)፡ ሠለስቱ (ሰዓት 9 ቅ.ቀ)፡ ስድስቱ (ሰዓት 12 ድ.ቀ.)፡ ተስዓቱ(ሰዓት 3 ድ.ቀ)፡ ዓሠርቱ ወአሐዱ (ሰዓት 5 ድ.ቀ.)፡ ዘሎ ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ነዚ ይመስል። 

ኣብዘን ጊዜያት ጸሊም ዝለበሰ ዲያቆን ቃል ኣዋዲ እናኣስምዐ ሠለስተ ጊዜ ቤተ ክርስቲያን ይዐውድ። ካህናትን ሕዝበ ክርስቲያንን ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይጋብኡ።

***

ናይ ‘ለከ ኃይል’ ጸሎትን ስግደትን

ጸሎታት መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያም ምስለ አንቀጸ ብርሃን ይጽለ። ‘አቡን’ ምስቲ ናይቲ ጊዜ ዝተመደበ ወንጌል ዝሰማማዕ መራሕን ተመራሕን ምስ ኣዝየሙ ብየማንን ጸጋምን እናተቐባበልካ ምስ ሰግደት ኣሰኒኻ ይዝየም እሞ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብኅብረት የዝየም ። ብድኅር እዚ ‘ለከ ኃይል’ . . . ምስ ‘አቡነ ዘበሰማያት’ ብየማነ ጸጋም ሸሽድሽተ እናተቐባበልካ ብስግደት 12 ጊዜያት ይበሃል። 

ተውሳክ፡ . . . ሥርዓተ ጸሎት ወስግደት ዘሰሙነ ሕማማት

ማዕተብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ደዮ ውስተ ልብከ በኵሉ ጊዜ ወጠብልሎ ውስተ ክሳድከ/ ኵሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ ኣብ ክሳድካ’ውን ኣሲርካ ኃዞ” ምሳ 6÷21

ማዕተብ 

ሃይማኖት መሠረት ክኸውን ከሎ ምስ ሃይማኖት ተተኃኂዙ ዝኸይድ ድማ ባህለ ሃይማኖት፡ ትውፊታዊ ሥርዓት ኣሎ። ሓደ ካብ ባህለ ሃይማኖት ድማ ድኅሪ ጸጋ ጥምቀትን ሃብተ ውልድነትን ኣብ ክሳድ ዝእሠር ‘ማዕተብ’ እዩ።

‘ማዕተብ’ ዝብል ቃል ካብ “ዐተበ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኣመልከተ፡ ባረኸ’ ማለት እዩ። ማዕተብ፦ ዝኣመኑን ዝተጠመቁን ካብ ዘይኣመኑን ዘይተጠመቁን ዝፍለይሉ ናይ ክርስቲያን መፈለጥታ፡ ምልክት ሃይማኖት እዩ።

ከምቲ ሀገር ብባንዴራኣ (ሰንደቕ ዕላማኣ) እትፍለጥ ከምኡ’ውን ደብዳቤን ጽሑፍን ብኣርማ ማኅተም ፊርማ ሕጋውነቱ ዝረጋገጽ፣ ንሕና ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ምእመናንን ምእመናትን ድማ ኣብ ክሳድና ብእንኣሥሮ ማዕተብ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ምዃንና ንፍለጥን ነረጋግጽን።

ተውሳክ፡ . . .ማዕተብ

ግዝረት ኣብ ክርስትና?፧!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ግዝረት ኣብ ክርስትና?፧!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ኣብ ዘመነ አበው፡ ካብ ኣቦና አብርሃም ዝተወልዱን ዘይተወልዱን ነገዳት ተፈልዮም ዝፍለጡሉ መለለዪ ኮይኑ ነበረ። እዚ ምልክት’ዚ ካብ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዝተዋህበ ምልክት ኪዳን ነበረ። እግዚአብሔር ድማ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ብድኅሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር። ሥጋ ዕልቦኹም ግዘሩ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ምልክት ኪዳን እዩ። . . . ዘይተገዝረ ተባዕታይ ማለት ሥጋ ዕልቦኡ ዘይተገዘረ ዅሉ ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ እሞ ካብ ሕዝቡ ይሰቐቕ”። (ዘፍ. 17፡10-14)

ተውሳክ፡ . . . ግዝረት ኣብ ክርስትና?፧!

“ወአንሰ በብዝኀ ምሕረትከ እበውእ ቤተከ / ኣነ ግና ብብዝኂ ምሕረትካ ናብ ቤትካ እኣቱ” መዝ. 5፡7

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አሐዱ አምላክ!

“ወአንሰ በብዝኀ ምሕረትከ እበውእ ቤተከ / ኣነ ግና ብብዝኂ ምሕረትካ ናብ ቤትካ እኣቱ” መዝ. 5፡7

ቤተ መቅደስ፡ እግዚአብሔር ብመንፈሰ ረድኤት ዚኃድረሉ፡ ጸሎት ደቂ ሰባት ንኪሰምዕ እዝኑ ዚጸልወሉ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንምስጋናን ጸሎትን ደቂ ሰባት ንምዕራግን ዚቖመሉ፡ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን መድኃኔ ዓለም ዝዳለወሉ ዚተቐደሰ፡ ዚኸበረን ዚተፈለየን ቦታ እዩ።

ብርሃነ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንዅሉ ብሥርዓት ግበርዎ” (1ይ ቆሮ. 14፡40) ከም ዝበለ፡ መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ኣቦታትና ድማ እግዚአብሔር ብዚገለጸሎም ካብ ቅዱሳት መጻሕፍት ኣዋፂኦም ናብ ቤተ መቅደስ መዓስን ከመይ ኢልናን ክንኣቱ ከምዝግብኣና ሠሪዖምልና እዮም።

“ዕቀብ እገሪከ ሶበ ተሐውር ኀበ እግዚአብሔር/ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ” (መክ. 5፡1) ይብል። እዚ ማለት ድማ ናብ ቤተ መቅደስ ንምኻድ፡ እግረ ሥጋናን እግረ ሕሊናን ሓሊና፣ ውሽጣውን ግዳማውን ምድላዋት ኪንገብር ከምዝግብኣና ዝሕብር እዩ።

ተውሳክ፡ . . . “ወአንሰ በብዝኀ ምሕረትከ እበውእ ቤተከ / ኣነ ግና ብብዝኂ ምሕረትካ ናብ ቤትካ እኣቱ” መዝ. 5፡7

ምጽዋት፦

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምጽዋት፦

ምጽዋት፡ ናይ ግእዝ ቃል ኾይኑ ሕያብ ለውሃት ልግስና ማለት እዩ፡ ምጽዋት መግለጺ ምሕረት እዩ። (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 16 ቁ125)

ምጽዋት ባሕርየ እግዚአብሔር እዩ።
ምጽዋት ርኅራኄን ለውሓትን ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበና ጸጋ እዩ። ንሰብ ድማ ብዝኸኣሎ መጠን ንፈጣሪኡ ክመስል ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝህቦ ህያብ መልሲ ከይደለየ ከይለመንዎ ንፍጥረታ ዘድልዮም ነገራት ኵሉ ፈሊጡ ይህብ። ርህራሄ ናይ ፍጽምና ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ። “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ብምሕረት ፍጹም ዝኾነ፡ ባእድ ዘመድ ከይበልኩም ንዅሉ ብምፍቓር ፍጹማን ኩኑ” (ትርጓሜ ማቴ. 5፡48) “እቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸኣ ኢና ዝሃብናካ” (1ይ ዜና. 29፡14)

ተውሳክ፡ . . .ምጽዋት፦

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195