banner

ርደተ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

               ርደተ መንፈስ ቅዱስ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ዝብል ሓደ ዓቢይ ተስፋ ሂብዎም ናብ ሰማያት ዓረገ። ሉቃ. 24፡49 ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓሥራይ መዓልቱ፡ ካብ ዚትንሥእ ከኣ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ተስፋ’ዚ ኪጽበዩ ጸኒሖም፡ ብሓድነት ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ከም ድምፂ ነፋስ ዝበለ ተሰምዐ። በአምሳለ እሳት ዘይትከፈል/ ዝተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም። ኵሎም ከኣ መንፈስ ኃይሊ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፣ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቛንቋ ዚፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ተዛረቡ። ብዘይ ገለ ጸገም ንዅሎም እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ካብ ሃገረ ኣሕዛብ ተፈልዮም መጺኦም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተጋብኡ በብቛንቋኦም ኪምህርዎም ጀመሩ። 

ንዅሎም በብቛንቋኦም ንጐይትነት እግዚአብሔር ኪምህርዎምን ንዝሓተትዎም ኪምልስሎምን ምስ ሰምዑ ዓቢይ ዘደንቕ ተኣምር ስለዝኾነ እቶም ካብ ሃገራት ኣሕዛብ ዚመጽኡ የዋሃን ኣይሁድ ተገረሙ። ገሊኦም እቶም ኣብ እስራኤል ዚቕመጡ ኣብ ስቕለት ጐይታ ዚሓበሩ ክፉኣት ኣይሁድ ግና ‘ እዚኦምሲ ዘይፈልሐ ጕዕሽ ሜስ ሰትዮም ሰኺሮም ሃተውተው ይብሉ ኣለዉ’ በልዎም።


እንተኾነ ግና እቲ ጊዜ ንግሆ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ብምንባሩ ሰትዮም ሰኺሮም እዮም ዚበሃለሉ ጊዜ ኣይኮነን። ዚሰኸረ ሰብ ይትረፍዶ ዘይፈልጦ ኪዛረብሲ ነቲ ዚፈልጦ ቛንቋ እኳ ብትኽክል ኪዛረብ ስለዘይክእል እቶም ኣይሁድ ዚበልዎ ተቐባልነት የብሉን። ነቲ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ንመስተ ንስኽራን ሂቦም ምዝራቦም ከኣ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ እዩ።
ቅድሚ ስቕለት ጐይታ፡ ሓዋርያት ይትረፍዶ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ኪሰብኩስ፡ ተቢዖም መንነቶም ኪገልጹ እኳ ኣይክእሉን ነበሩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ኪቕበል ከሎ ሓዋርያት ገዲፎሞ ኪሃድሙ ኸለዉ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ’ውን “ንስኻ ምስ ኢየሱስ ኔርካ ኢኻ!’ ምስ ተባህለ ‘ነዚ ትብሊዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን እየ’ (ማቴ. 26፡69-70) ኢሉ ብልሳኑ ክሒዱ ነበረ። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ግና ኣብ ባይቶን ቤተ መቅደስን ኣይሁድ፡ ኣብ ቤተ መንግሥት ነገሥታት ብትብዓት ዚሰብኩ፣ ግርማ ሞት ዘየፍርሆም፡ ስሕለት ሰይፊ ዘየሰቅቖም፡ ምስ ክርስቶስ ንምንባር ሞት ዝናፍቑ ኾኑ።

እንሆ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቐዲሞም መከራ መስቀል ፈሪሆም ቤቶም ዓጽዮም፡ ካብ ሰባት ተኸዊሎም ዚነበሩ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባሎም ወንጌል ጸይሮም ሰይፊ መንፈስ ቅዱስ ተዓጢቖም ስለዚመሃሩ ኣብ ኵሉ ዓለም ዚርከብ ሕዝበ ክርስቲያን ናቶም ፍረ እዩ። በዚ እዮም ቅዱሳን ኣቦታት ነዛ መንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ ዝዓደለላ ዕለት፡ መዓልቲ ልደት ቤተ ክርስቲያን ዚብልዋ።
ኣብ ሓዋርያት ጸጋኡ ዓዲሉ ሃይማኖት ዘስፍሐ፡ ንሊቃውንት መምህራን ምሥጢር ገሊጹ ሃይማኖት ዘጽንዐ፡ ንዘለዓለም’ውን ዚሕሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ዘይሠመሮ ኣገልግሎት ተሰማዕነት የብሉን፡ ኃይሊ ተኣምራት ኪገብር’ውን ኣይክእልን እዩ።

ከምቲ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ቅድስት ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት በረኸት አብ ፍቕሪ ወልድ ሃብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደ ኣብ ልዕሊ ኵልና ዕጽፍን ድርብን ኮይኑ ይውረድ!

                ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195