ዘመነ ስብከት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዘመነ ስብከት

ካብ 7-13 ታኅሣሥ ክሳዕ ልደት ዘለዉ ሠለስተ ሳምንታት (ሰናብቲ) ዘመነ ስብከት ይበሃሉ። ኣብዞም ሳምንታት፡ ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ከምዝኸውን ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት ንዚተነበይዎ ትንቢት፡ ዚመሰልዎ ምሳሌ፡ ዚረኣይዎ ኅብረ ኣምሳል፡ . . . ንዝክርን ነስተንትንን። ሰሙን መጸ’ውን ምሥጢረ ሥጋዌ ዝገልጹ ጽሑፋት ይንበቡ፡ መዛሙር ይዝመሩ፡ ትንቢትን ምሳሌን እናተጠቅሰ’ውን ሰፊሕ ትምህርቲ ይወሃብ። ብሓፈሻ ጊዜኡ ንበዓለ ልደት ብኣፍልጦን ርድኢትን ናፍቆትን ክብርን ንምኽባር ዝግበር ምድላዋት’ዩ።
ኣብ ዘመነ ስብከት ዘለዉ ሠለስተ ሳምንታት ስብከት፡ ብርሃንን ኖላዊን ይበሃሉ።

1. ስብከት፦ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝውለድ፡ ብቅዱሳን ነቢያት ተሰቢኹ እዩ’ሞ፡ ናይ መጀመርታ ሰሙን ‘ስብከት’ ይበሃል
2. ብርሃን፦ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ዓለም ንምኹን መጺኡ እዩሞ ‘ብርሃን’ ተባህለ።
3. ኖላዊ፦ ክርስቶስ ንሱ ሓቀኛ ትጉህ ጓሳ እዩ’ሞ እዚ ሰሙን ‘ኖላዊ’ ተባህለ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!