banner

ርደተ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

               ርደተ መንፈስ ቅዱስ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ዝብል ሓደ ዓቢይ ተስፋ ሂብዎም ናብ ሰማያት ዓረገ። ሉቃ. 24፡49 ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓሥራይ መዓልቱ፡ ካብ ዚትንሥእ ከኣ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ተስፋ’ዚ ኪጽበዩ ጸኒሖም፡ ብሓድነት ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ከም ድምፂ ነፋስ ዝበለ ተሰምዐ። በአምሳለ እሳት ዘይትከፈል/ ዝተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም። ኵሎም ከኣ መንፈስ ኃይሊ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፣ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቛንቋ ዚፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ተዛረቡ። ብዘይ ገለ ጸገም ንዅሎም እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ካብ ሃገረ ኣሕዛብ ተፈልዮም መጺኦም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተጋብኡ በብቛንቋኦም ኪምህርዎም ጀመሩ። 

ንዅሎም በብቛንቋኦም ንጐይትነት እግዚአብሔር ኪምህርዎምን ንዝሓተትዎም ኪምልስሎምን ምስ ሰምዑ ዓቢይ ዘደንቕ ተኣምር ስለዝኾነ እቶም ካብ ሃገራት ኣሕዛብ ዚመጽኡ የዋሃን ኣይሁድ ተገረሙ። ገሊኦም እቶም ኣብ እስራኤል ዚቕመጡ ኣብ ስቕለት ጐይታ ዚሓበሩ ክፉኣት ኣይሁድ ግና ‘ እዚኦምሲ ዘይፈልሐ ጕዕሽ ሜስ ሰትዮም ሰኺሮም ሃተውተው ይብሉ ኣለዉ’ በልዎም።

ተውሳክ፡ . . . ርደተ መንፈስ ቅዱስ

በዓለ ዕርገት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና!

በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ቀደም ክብሩ ከምዝተመለሰ ወይ ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ዕለት እዩ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም፣ ብጉባኤ ሠለስተ ሳዕ ማለት ናይ ትንሣኤ፡ ኣግብኦተ ግብርን ናይ ጥብርያዶስንተራእዮም። ብሓፈሻ ድማ ዓሠርተ ሓደ ጊዜ ተራእዮም። ዮሓ. 21፡14 

ቅድሚ ዕርገቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “አንትሙሰ ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም”/ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳብ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ብምባል ናብ ቢታንያ ወሲዱ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ባሪኹን ክሳብ ፓትርያርክነት ዘሎ ሥልጣነ ክህነት ሃቦም። ክዓርግ ከሎ ናይ ክብሩ መግለጺ ዝኾነ ደመና ተቐበሎ፣ብርቀት ዘይኮነስ ብርሕቀት ካብ ኣዕይንቶም ተሠወረ።

ተውሳክ፡ . . . በዓለ ዕርገት

ቀዳም ስዑር ስለምንታይ ሰቲ ንኣስር፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

         ቀዳም ስዑር ስለምንታይ ሰቲ ንኣስር፧

ኣብ ቀዳም ስዑር ኣብ ርእስና እንኣስሮ ሰቲ ሰፊሕ ትርጕም ዝኃዘ መንፈሳዊ ባህሊ እዩ።
ናይቶም ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበሩ ሕዝቢ ዓለም፡ ኃጢኣቶም ምስ በዝኀ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኃዚኑ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ ካብ ገጽ ምድሪ ብማየ ጥፍኣት ኪድምስሶም ወሰነ። ነቲ ትእዛዛቱ ሓልዩ ብኣምልኮቱ ጸኒዑ ዝነበረ ኖኅ ግና ካብ ማየ ጥፍኣት ዝድኅነሉ መርከብ ሥራሕ ኢሉ ኣዘዞ። ብድኅር’ዚ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ዘነመ ብዘይካ ኖኅ ምስ ስድራ ቤቱን ናብ መርከብ ዝኣተዉ እንስሳታትን እቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዝወሳወስ ፍጡር ዘበለ ጠፍአ።

ተውሳክ፡ . . .ቀዳም ስዑር ስለምንታይ ሰቲ ንኣስር፧

ሆሣዕና በአርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

          ሆሣዕና በአርያም 

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ፡ ወዲ ሰብ ንምድኃን ፍጹም ሥጋና ተዋሓሒዱ፡ ጐይታ ዳዊት ክንሱ ካብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ፡ ‘ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት’ እናተባህለ ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ምኻዱ ንወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ፍቕሩ ከም ዝገለጸሉ ዝገልጽ እዩ ። ሆሣዕና ማለት መድኃኒት ማለት እዩ። መድኃኒት ዝተባህለ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅድሚ ስቕለቱ ኣብ ዘሎ መዓልትታት፡ ንኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ለኣኾም፡ ‘ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘሎ ዓዲ ኺዱ፡ ኣብኡ ምስ ኣቶኹም ድማ እሱር ኣድግን ገልገል ኣድግን ኪትረኽቡ ኢኹም እሞ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኾም፧ ኢሉ እንተሓተተኩም ከኣ ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ’ በሉ። (ብተፈጥሮ ጐይታኦም) ስለ ዝኾነ እዩ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ፈቲሖም ኣምጽእሉ። (ማቴ. 21፡1-3)

ተውሳክ፡ . . . ሆሣዕና በአርያም

ሱባኤ 2ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዓይነታት ሱባዔ
1. ናይ ውልቂ ሱባዔ (ዕፁው ሱባዔ)
ናይ ውልቂ ሱባዔ ዝብሃል፡ ሓደ ሰብ በይኑ ዝኾነ ሰብ ከይረኣዮ ኣብ ቤት ኮነ ኣብ ካልእ ዚጥዕም ቦታ ኮይኑ ብውልቁ በዓቲ ጸሎቱ ዓፅዩ ብሰቂለ ሕሊና ፈጣሪኡ ጥራሕ ኪርእዮን ኪሰምዖን ብኅቡእ ዚገብሮ ሱባዔ እዩ። (ማቴ. 6፡5-13)
ዕፁው ሱባዔ ዚኃዘ ሰብ ኣቐዲሙ ኵሉ ዘድልዮ ነገር ኂዙ ናብ በዓቱ ድኅሪ ምእታዉ፡ ሱባዔኡ ክሳዕ ዚፍጽም ምስ ሰብ ኣይራኸብን እዩ። (መዝ. 102፡6-7)

ተውሳክ፡ . . .ሱባኤ 2ይ ክፋል

ሱባዔ 1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ሱባዔብሰዋስዋዊ ትርጕሙ ‘ሰብዐ፡ ሾብዓተ ገበረ’ ማለት ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ‘ካብ’ዚ መዓልቲ’ዚ ክሳዕ እቲ መዓልቲ’ቲ ብጸሎት ምስ ፈጣርየይ ክራኸብ እየ’ ኢሉ ዚውጥኖ እዩ።
‘እስመ ኍልቈ ሳብዕ በኀበ ዕብራውያን ፍጹም ውእቱ’ ከምዝብል ቍጽሪ ሾብዓተ ብእስራኤላውያን ብቓልን ብግብርን እትግለጽ ፍጽምቲ ቍጽሪ እያ። ንኣብነት፦ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ካብ ምፍጣር ምዕራፉ፤ ንጸሎት ዚተግሁ ምእመናን ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ምምስጋኖም፡ ፍጹምነት ቍጽሪ ሾብዓተ የመልክት። (ዘፍጥ. 2፦2፣ መዝ. 119፡164)፣ ብተወሳኺ’ውን ሓደ ሰብ ንሾብዓተ መዓልታት ምስ ዚጸውም ‘ሓደ ሱባዔ ጾይሙ’ ይበሃል። ንዓሠርተው ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ዚጸውም ድማ ‘ክልተ ሱባዔ ጾይሙ’ ይበሃል።
ሱባዔ መዓስ ተጀሚሩ፧

ተውሳክ፡ . . .ሱባዔ 1ይ ክፋል

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195