banner

ካብ ተኣምር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካብ ተኣምር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ውላድ ዘይብላ ሓንቲ መኻን ሰበይቲ ነበረት። ምእንቲ ውላድ ኪህባ ለይትን መዓልትን ናብ እግዚኣብሔር ትልምን ነበረት። 

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኸደት ከላ ሓንቲ መበለት ረኸበታ። እዛ መበለት ከኣ ብጸሎት ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ተማኅፂና ብዘሎ ዅሉ ሽግራ እግዚአብሔር ከምዝፈትሓላ ነገረታ።

እዛ መኻን ሰበይቲ ነዚ ነገር እዚ ኻብታ መበለት ምስ ሰምዐት ብፍጹም እምነት፦ “ኣነ ድማ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እምኅፀን ኣሎኹ፣ እግዚኣብሔር ሕማመይን መከራይን ርእዩ ብጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ውላድ እንተሂቡኒ፣ ኣገልጋሊቱ ኺኸውንን ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ዝክሩ ኽገብርን እየ” በለት።

ተውሳክ፡ . . . ካብ ተኣምር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ሰማዕትነት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሰማዕትነት

ሰማዕትነት፦ ብሃይማኖታዊ ትርጕም ክግለጽ ከሎ ስለ እግዚአብሔር፡ ምእንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ተልእኾ ወንጌል ንምፍጻምን ሓቂ ንምምስካርን ብዙኅ ጸዋትወ መከራ ምቕባል እዩ። ዝባንካ ንመግረፍቲ፡ ሰብነትካ ንሓዊ፡ ኣእጋርካ ንሰንሰለት፡ ክሳድካ ንስሕለት ኣኅሊፍካ ምሃብ፣ ብስደትን ገደልን ምንክርታት፣ ከምኡ’ውን ብእምኒ ተወጊርካ፡ ብመንኰራኵር ተጣሒንካ፡ ብኲናት ተወጊእካ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ሕይወትካ ምኅላፍ እዩ። “አማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ብሓቂ ሰማዕታት ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ነዓቑ፤ ደሞም’ውን ምእንቲ እግዚአብሔር ኣፍሰሱ፤ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ” ከምዝብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)

ተውሳክ፡ . . .ሰማዕትነት

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም ሄሮድስ ተሰይፎም ብሰማዕትነት ምኅላፎም ናይ ሕፃናት ሰማዕትነት ፈቃደ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዞም ሰማዕታት ሕፃናት’ዚኣቶም፡ ነቶም ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ስለ እግዚአብሔር ብግፍዒ ዝቕተሉ ሕፃናት ርስቶም ኾይኖም ኣብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ብኽብሪ ይቕበልዎም።

ተውሳክ፡ . . .ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

“ጸሐፌ ተአምረ ማርያም” ቅዱስ ደቅስዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ጸሐፌ ተአምረ ማርያም” ቅዱስ ደቅስዮስ

በዓለ ብሥራት ከም በዓል ብምሥራዕን ተአምረ ማርያም ከም መጽሓፍ ብምጽሓፍን ዝፍለጥ ቅዱስ ኣቦ ቅዱስ ደቅስዮስ እዩ። ቅዱስ ደቅስዮስ፡ ንእግዚአብሔር ዘኽብር፡ ንእግዝእትነ ማርያም ዘፍቕር ጻድቕ ሰብ ነበረ። ናይ ሃገር ጥልጥልያ (ሀገረ ሮሜ) ኤጲስቆጶስ ኮይኑ የገልግል ነበረ። እግዚአብሔር፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ጣዕማ ኣብ ልሳኑ ፍቕራ ኣብ ልቡ ኣኅዲርሉ ነበረ። ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ድማ እግዚአብሔር ምሥጢር ኣብ ልቡ፡ ነገር ኣብ ልሳኑ፡ ብርዒ ኣብ ኢዱ ኣቃኒዕሉ፡ ቀለም በጽቢጹ ብራና ፍሒቑ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም ክጽሕፍ ጀመረ። ንብዘሎ ተኣምራ ኣኻኺቡ’ውን ጸሓፎ።

Read more: “ጸሐፌ ተአምረ ማርያም” ቅዱስ ደቅስዮስ

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ።

ኣብ በዓል ጴጥሮስ ወጳውሎስ (5 ሓምለ)፡ ኣደኡ ቅድስት ሶፍያ ብዙኃት ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ምእመናንን ምእመናትን ንደቆም ኂዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪኸዱ ከለዉ ምስ ርኣየት እምብዛ ኃዘነት። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትያ ኸኣ ቡሩኽ ውላድ ኽህባ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሪራ ብንብዓት ለመነት።

ተውሳክ፡ . . . ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ተኣምር ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተኣምር ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት

“ነቲ ንነፍስን ንሥጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንሥጋ ክቐትሉ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም” (ማቴ. 10፡18) ከምኡ’ውን “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧” (ሮሜ 8፡35) ዝብል መሪሕ ቃል ገይሮም፡ ስለ እግዚአብሔር፡ ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ ሃይማኖትን ሓቅን ክብሉ ዝተፈላለየ መከራ ዝተቐበሉ፡ ደሞም ኣፍሲሶምን ዓጽሞም ከስኪሶምን ሕይወቶም ዝወፈዩ ‘ቅዱሳን ሰማዕታት’ ይበሃሉ።
ስለቲ ሰማዕትነቶም ድማ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ጽድቂ ይደፍኡ፣ ብቃል ኪዳኖም በረኸት ይዕድሉ፣ ብዐፀደ ነፍስ ኮይኖም ነቶም ብኣካለ ሥጋ ዘለዉ ይራድኡን ተኣምራት ይገብሩን፣ . . . ።

ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ ብዐፀደ ነፍስ እናተገልጸ ይትረፍ ንክርስቲያን ዋላ’ውን ንዘይኣማኒ ተኣምራት ፈጺሙ እዩ። ሓደ ኻብኡ በረኸት ንክኾነና ክንትርኾ ኢና፡ እግዚአብሔር ፍቕሪ ሰማዕታት የኅድረልና!

ተውሳክ፡ . . . ተኣምር ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195