ሓዋርያ ቅዱስ በርተሎሜዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያ ቅዱስ በርተሎሜዎስ

ሓደ ካብ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ሓዋርያ በርተሎሜዎስ እዩ። (ማቴ. 10፡3፣ ማር. 3፡18) በርተሎሜዎስ ማለት ተኽሊ ናይ ምስታይ ሃብት ዝተዋህቦ ውሉድ ማለት እዩ። “ኩን ወልደ ኃይል፡ ኩን ወልደ የማን” ከም ዝብል። ኣብ ሀገረ ስብከቱ ስሙ ምስ ግብሩ ተሳንዩ ንግሆ ወይኒ ተኺሉ ምሸት ንመሥዋዕቲ ኣብጺሑ እዩ።

ምስ ቅዱሳን ሓዋርያት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝወዓሎ እናወዓለ፡ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደረ ንልዕሊ ሠለስተ ዓመት ተማህረ። ሕሙማን የሕዊ፡ ለምጻማት የንጽሕ፡ ኣጋንንቲ የውፅእ ነበረ። ድኅሪ ናይ ጐይታ ስቅለትን ትንሣኤን ዕርገትን ድማ ምስ ሓዋርያት ብሓደ ይነብር ነበረ። ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም፡ ንስብከተ ወንጌል ምእንቲ ክጥዕምም ነዛ ዓለም ምስ ተኻፈልዋ ንቅዱስ ሓዋርያ በርተሎሜዎስ ‘ሃገረ እልዋህ’ በጽሖ።

ብሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሰንዩ ናብ ሃገረ ስብከቱ እልዋህ ኣምርሐ። ብጥበበ እግዚአብሔር ድማ ናብታ ዓዲ ንምእታው ሓዋርያ ጴጥሮስ ናብ ሓደ ገፊሕ ናይ ወይኒ ሕርሻ ዘለዎ ነጋዳይ ሸጦ።

እቲ ነጋዳይን በርተሎሜዎስን ናብታ ዓዲ መንገዶም ኣቕንዑ። ኣብ መንገዲ፡ እተን ኣግማል ናይቲ ነጋዳይ ብጽምኢ ማይ ሞታ። ሓዋርያ በርተሎሜዎስ ግና ጸልዩ ንዅለን ዝሞታ ኣግማል ኣተንሥአን።

ኣብቲ ዓዲ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ነጋዳይ ንበርተሎሜዎስ ሓለቃ ሓለውቲ ወይኒ ገይሩ ሾሞ። ተክለ ወይን እናሓለወ፡ እናተኸለን እናኰስኰሰን ን40 መዓልቲ ብሥራሕ ተጸሚዱ ቀነየ። ፈልሲ ወይኒ ተኺሉ ኣለምሊሙ ብሓንሳእ የፍሪ ነበረ።

ወዲ እቲ ሃብታም ነጋዳይ፡ መርዛም ተመን ነኺስዎ ምስ ሞተ ብስመ እግዚአብሔር ካብ ሞት ኣተንሥኦ። በዚ ዝገበሮ ተኣምራትን ትምህርቱን ከኣ ብዙኃት ኣሚኖም ተጠምቁ።
ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝነበሮ ግራት፡ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀሎም። ነቲ ነጋዳይን ካልኦት ዝተጠምቁን ከኣ ቀሳውስትን ዲያቆናትን ገይሩ ሾመሎም። ተኪሉ ዘፍረዮ ወይኒ ምስ ሥርናይ ብጸሎተ ቅዳሴ ኣኽቢሩን ባሪኹን ናብ ቅዱስ ቍርባን ለዊጡ ኣቍረቦም።

ብድኅር እዚ ብፈቃደ እግዚአብሔር ምስ ሓዋርያ እንድርያስ ናብ ሀገረ በረበር ከደ። ነቶም ሕዝቢ ድማ ካብ አምልኮተ ጣዖት ናብ አምልኮተ እግዚአብሔር መለሶም።

ሓዋርያ በርተሎሜዎስ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕ ኣብ ገምግም ባሕሪ ናብ ዝተደኮና ዓበይቲ ሃገራት ከደ። እቶም ሕዝቢ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ፡ ከም ጓሳ ዘይብሎም ጥሪት ብኣራዊት ሰይጣን ዝተበተኑ ስለዝነበሩ ሓዋርያ በርተሎሜዎስ ብትብዓት ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ሰበኸሎም። ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን ክሳብ ዝፈልጡ መሃሮም። ንሳቶም ድማ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ንኡሶም ብእግዚኣብሔር ኣመኑ። ግብረ ኃጣውእ ኃዲጎም ፍኖተ ወንጌል መንግሥተ ሰማያት ሰዓቡ።

ስብከቱ ክሳብ ቤተ መንግሥት በጽሐ እሞ ሰበይቲ ንጉሥ ኣግሪጳ ኣሚና ንንጉሥ ገዲፋ ናብ ሰማያዊ ንጉሥ እግዚአብሔር ሰዓበት።

እዚ ዅሉ ኣብ ሃገሩን ሰበይቱን ዝኾነ ብስብከት ሓዋርያ በርተሎሜዎስ ምዃኑ ዝፈለጠ ንጉሥ ኣግሪጳ፡ ንሓዋርያ በርተሎሜዎስ ሑፃ ኣብ ዝመልአ ቈርበት ኣእቲዮም ናብ ባሕሪ ከጥሕልዎ ኣዘዘ። በዚ ኸኣ ብዕለት ሓደ መስከረም ኣብ ባሕሪ ሰጢሙ ብሰማዕትነት ኃለፈ። ብትእዛዝ እግዚኣብሔር እታ ባሕሪ ናብቲ ገምገም ምስ ገፍዓትሎም፡ እቶም ብእኡ ኣሚኖም ዝተጠምቁ ምእመናንን ምእመናትን ንሬሳኡ ብኽብሪ ቀበርዎ።

ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንና ድማ 01 መስከረም ዕለተ ሰማዕትነቱ፣ 18 ኅዳር ድማ ዕለተ ተዝካሩ ብኽብሪ ተብዕሎ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ሰላም እብል ሐዋርያ መስተጋድለ፣
በተወርዎ ባሕር ዕሙቅ ወበሠቀ ፀጕር ጥብሉለ፣
በርተሎሜዎስ ገዳመ አመ ምስሌሆሙ ዔለ፣
በማየ ጸሎቱ ጽምአ ነጋድያን አጥለለ፣
ወአንሥአ ዓዲ ዘሞቱ አግማለ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!