banner

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዚብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል እዩ። ትርጓሜ ስሙ ንመዋዕለ ሕይወቱ ዝገልጽ እዩ። ማርቆስ፥ ንህቢ ማለት እዩ። ንህቢ ካብ ኵሉ ዕንባባ ከም ዝቐስም ንሱ ድማ ቅድም ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኃር ድማ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ቅዱስ በርናባስ . . . ተማሂሩ እዩ። ማርቆስ፥ ኣንበሳ ማለት እዩ። ኣንበሳ ንላም ከም ዝመልኽን ከም ዝሰብርን ንሱ ድማ ካብ ሃገረ ግብጺ ብስብከቱ ኣምልኾ ላሕም ኣጥፊኡ እዩ። ማርቆስ፥ ካህን ልኡኽ ማለት እዩ።

ሥድራኡ ማለት ኣቦኡ ኣርስጦቡሎስ፣ ኣዲኡ ማርያም ባውፍልያ ብትውልዲ ዕብራውያን እኳ እንተኾኑ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ሲረኒካ (ቀሬን) ኣብ ዝተባህለት ናይ ሎሚ ሊብያ ሓንቲ ካብ ኃሙሽተ ምዕራባዊ ወገን ኸተማታት ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ነበሩ።

ሃብታማት ስለዝነበሩ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዚርከቡ ሰበኽ ሳግም፣ ቀቢላታት በርበር በብጊዜኡ ናብዛ ኸተማ እናመጹ ሃብቲ ንብረቶም እናራሰዩ ምስ ኣሸገርዎም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ተቐመጡ። ንቅዱስ ማርቆስ ድማ በቲ ዘመን እቲ ዚወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ላቲን፣ ግሪኽን ዕብራይስጢን ቛንቋታት ኣምሃርዎ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድረ ይሁዳ ከስተምህር ከሎ ቅዱስ ማርቆስ ንእሽቶ መንእሰይ ነበረ። (ማር. 14፣13)። ምስ ኣደኡ’ውን ይስዕብ ነበረ። ንሱ ምስ ሰብዓን ክልተን ኣርድእት ክቝጸር ከሎ ኣደኡ ማርያም ባውፍልያ ድማ ምስ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ክትቝጸር ከኣለት። ቤታ’ውን ናይ መጀመርታ ቤተ ምእመናን መኣከቢት ክርስቲያንን መፈጸሚ ምሥጢርን ሥርዓተ ጸሎትን ዝገበረት ኣደ እያ። ኣብ በዓል ኃምሳ’ውን ሓዋርያት ተኣኪቦም ኪጽልዩ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወረደሎም። (ግብ. 2፡1፣ 12፡12)

ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኽሰቕልዎ ኣይሁድ ኣብ ዝኃዙሉ እዋን፣ ቅዱስ ማርቆስ ጥራይ ዝባኑ ብነጸላ ተሸፊኑ ይስዕቦ ነበረ። ደኃር ግና ንኣይሁድ ፈሪሑ ጨርቁ ገዲፉ ጥራይ ዝባኑ ከም ዝሃደመ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል ተጠቒሱ ኣሎ። (ማር. 14፡56)

ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እናመሃሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ንሓደ ዓመት ብሓባር ምስ ተቐመጡ (ሉቃ 24፡53)፡ “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኣብ ኵሉ ዓለም ኬድኩም መሃሩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ንምትግባር ንዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ኣብ ዝተዋፈርሉ ጊዜ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብዕጫ ግብጺ በጽሓቶ፣ ሮም ድማ ናይ ሕልቕና ብላዕሊ ተዋህበቶ። በዚ ኸኣ ነቲ ናቱ ረድእ ዝኾነ ቅዱስ ማርቆስ ሃቦ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣዝዩ ስለዝፈትዎ ዝነበረ ‘ወደይ’ ይብሎ ነበረ። (1 ጴጥ. 5፡13)

ቅዱስ ማርቆስ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ብንእሽቶይ ኤስያ ገይሩ ክሳብ ሮም ሰበኸ። ቀጺሉ’ውን ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብምምጻእ ኣብ ሃገረ ኣፍራቅያ፡ በርቃን ኃሙስቱ ኣህጉርን (ኃሙሽተ ኸተማታት ምዕራባዊ ወገን) ስብከተ ወንጌል እናኣስፋፍሐ ናብታ በቲ ዘመን እቲ ናይ ንግድን ባህልን ፖለቲካን ማእከል ዚነበረት እስክንድርያ በጽሐ።

ናብዛ መምለኽቲ ጣዖት ዝነብሩላ ኸተማ እስክንድርያ ምስ ኣተወ ካብ ብዝኂን ንውኃትን መንገዲ እቲ ወድይዎ ዚነበረ ሣእኒ ቈርበት ተበትከ። ብኡ ንብኡ ናብ ‘ኣንያኖስ’ ዝተባህለ ሰብኣይ ሰፋዪ ኣሣእን ከይዱ ክሰፍየሉ ሃቦ። ኣንያኖስ እናሰፈየሉ ከሎ፣ በቲ ዝሰፍየሉ ዚነበረ መስፈ ንሣእኒ ስሒቱ ኢዱ ምስ ወግኦ ዓው ኢሉ "ኤስ ታዖስ! (EIS THEOS)" በለ። "ኤስ ታዖስ!" ብልሳነ ጽርዒ (ግሪኽ) “ኦ ሓደ አምላኽ” ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ማርቆስ መእተዊ ስብከት ረኺቡ "ንምዃኑ እዚ ሕጂ ዝጸዋዕካዮ ኣምላኽ ትፈልጦ ዲኻ፧. . . ኣምላኽ ሓደ ኸም ዝኾነ ትፈልጡ እንተ ዄንኩም ደኣ ስለምንታይ ኢኹም ብዙኃት ኣማልኽቲ እተምልኹ፧ . . .” እናበለ ኣምልኮተ እግዚአብሔርን ግብረ ጽድቅን ድኅሪ ምስትምሃር ኣብ ኣፃብዕቱ ምራቕ ገይሩ፡ ምስ መሬት ለዊሱ ኣብታ ዚደመየት ኢዱ ብምግባር ‘ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢድካ ትሕወ’’ በለ። በዚ ኸኣ ኢድ ኣንያኖስ ሓወየት።

ኣንያኖስ በቲ ዝረኣዮ ተኣምርን ዝሰምዖ ትምህርትን እምብዛ ተሓጒሱ ኂዝዎ ናብ ቤቱ ከደ። ቅዱስ ማርቆስ ድማ ካብ ዝነኣሱ ክሳዕ ዝዓበዩ ኣዝማዱን ጐረባብቱን ካልኦትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ ዕርገት ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ዝፈጸሞ ትሩፋት መሃሮም እሞ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ካብ ምግባረ ኃጢኣት ናብ ምግባረ ጽድቂ ተመልሱን ኣመኑን። ብስም አብን ወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ድማ ኣጥመቖም። በብጊዜኡ ናብዚ ማኅበረ ምእመናን ዝጽንበሩ እናበዝኁ ከዱ እሞ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ቤት ኣንያኖስ መሥረተ።

ነዚ ዝኾነ ነገር ንኽዕንቅፉ ብቕንኣትን ክፍኣትን ዝተላዕሉ ሰብአ ሃገር ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ናይ ሞት ክሲ ኣቕረቡ። እንተኾነ ንኣንያኖስ ናይ እስክንድርያ ኤጲስ ቆጶስ (መራሕ ቤተ ክርስቲያን) ገይሩ፡ ንሠለስተ ብመዓርገ ካህናት፡ ንሾብዓተ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሙ ናብታ ቅድም ዚነበራ ሲረኒካ ዝተባህለት ዓዲ ከደ። ኣብ ሀገረ በርቃን ኣብ ኃሙሽተ ኣህጉርን ወንጌለ መንግሥት እናሰበኸ ኸኣ ንኽልተ ዓመት ጸንሐ። ንብዙኃት ኣእሚኑ፡ ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሠይሙ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ።

ምእመናን በዚኆም ስብከተ ወንጌል ሰፊሑ ጸንሖ እሞ ኣብ ገማግም ምዕራብ እስክንድርያ ኣብ ቦካልያ (ሰፈር ከብቲ) ዝተባህለ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀሎም።

‘ኣብ ቃል ዘሎ ይርሳዕ ኣብ መጽሓፍ ዘሎ ይውሳእ’ ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ ማርቆስ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ኮይኑ ወንጌል ክጽሕፍ በቕዐ። ነዚ ወንጌል’ዚ ኣብ መበል 11 ዓመት ድኅሪ ዕርገት ጐይታ (44 ዓ.ም.)፡ ብልሳነ ሮማይስጥ ጸሓፎ። ኣብዚ ወንጌል’ዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከሃሊነት፣ ኃያልነት፣ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ሥልጣንን ብዝመሃሮም ትምህርታትን ዝፈጸሞም ተኣምራትን ብብዝኂ ሰፊሮም ኣለዉ።
ወንጌል ማርቆስ፡ 16 ምዕራፋት ኣለዎ።
• ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 1፡13 ፦ ብዛዕባ ትምህርቲ ዮሐንስ መጥምቅን ጥምቀተ ክርስቶስን፣
• ካብ ምዕራፍ 1፡14 ክሳዕ ምዕራፍ 10 ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ተኣምራትን፣ በዓለ ፋሲካን ናብ ኢየሩሳሌም ምኻዱን፣
• ካብ ምዕራፍ 11 ክሳዕ 16 ብዛዕባ ጐይታና ናብ ኢየሩሳሌም ምእታው፣ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ምፍራስ ቤተ መቕደስን ምዝራቡ፣ ብኣይሁድ ተፈሪዱ ተሰቒሉ ሙማቱ፣ ካብ ሞት ምትንሣኡ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ምግላጹ ኸምኡ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ኺምህሩ ከም ዝለኣኾም ይጠቅስ።

ብናይ ቅዱስ ማርቆስ ፀሓይነት ብርሃን ክርስቶስ ዝበርሃሎም ምእመናን እንክሕጐሱ፡ እቶም ዲያብሎስ ዘጸልመቶም መምለክያነ ጣዖት ግና ኣብ ዓሚቝ ባሕረ ቁጥዓ ሰጠሙ። ነቲ ጓሳ ቅዱስ ማርቆስ ዝቐትልሉ፡ ንመጓሰ ምእመናን ዝብትንሉ ጊዜ የጠዓዕሙ ነበሩ።

እንሆ ድማ በዓለ ትንሣኤ ክርስቶስ 29 ሚያዝያ ምስ በዓል ናይቲ ፍሉጥ ናይ ግብጻውያን ሰራፒየስ ዝተባህለ ዘኽብርዎ ጣዖት ኣብ ሓደ ጊዜ ውዒሉ ነበረ።

ቅዱስ ማርቆስ ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን (ቦካልያ) በዓለ ትንሣኤ እናኣኽበረ ከሎ፡ እቶም መምለክያነ ጣዖት ብኃይሊ ኣትዮም ኃዝዎ። ብገመድ ኣብ ኣቡዑር ኣሲሮም ከም ዕንጨይቲ ሠራው ክጓስስዎ ድኅሪ ምውዓል ናብ ጸልማት ቤተ ማእሠርቲ ዳጐንዎ። እንተኾነ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ መልኣኽ እግዚአብሔር እናመጽአ የጸናንዖ ነበረ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ተገሊጹ ቃል ኪዳን ሃቦ እሞ ሰላሙ ኃዲርዎ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ንጽባሒቱ ንግሆ 30 ሚያዝያ እቶም መምለክያነ ጣዖት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂኦም ክሳብ ደሙ ዝውዳእን ሥጋኡ ዝቈራረጽን ከምቲ ዝቐደመ ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ኬጓስስዎ ምስ ወዓሉ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ዓረፈ።
ብስቓዩን ሞቱን ስለ ዘይዓገቡ፡ ንሥጋኡ ከቃጽሉ ዕንጨይት ኣኪቦም እናኣጐዱ ከለዉ ዘሰንብድ በርቅን ነጐድጓድን ኮይኑ ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ ነቲ ሓዊ ኣጥፍኦ። ንሳቶም ድማ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሎም ፈሪሖም ሃደሙ።
እቶም ሕዝበ ክርስቲያን ግና ንሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቦካልያ ወሲዶም ብጽሩይ ልብሲ ገኒዞም ኣብ ኅቡእ ቦታ ኣዕረፍዎ።

ቅዱስ ማርቆስ ዝመሃሮም ሕዝበ ክርስቲያን ኣዝዮም በዝኁ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ተሓንፃ፡ መንበረ ማርቆስ ጸኒዓ ፓትርያርካት እናተቐመጥዋ እናተወራረደት ትርከብ ኣላ። ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር መበል 21 ተረካቢ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። ሥርዓትን ቀኖናን ሥልጣነ ክህነትን ቅዱሳን ሓዋርያት ብዘይ ሓደ ጉድለትን ምፍላስን ኣጽኒዑ ካብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መዓርገ ጵጵስና ተሠይሙ ናብ ሃገርና ብሔረ አግዓዚ ዘምጽኣልና ድማ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እዩ።

ካብዚ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ጸኒዓን ወግዓዊት ኮይናን ብቀኖና ቅዱሳን ሓዋርያት ተሠሪታ ክሳዕ ሕጂ ኣላ፣ ብሕጅውን ንመጻኢ ክሳዕ ምጽአተ ክርስቶስ ክትነብር እያ።

ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ማርቆስ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ይኹን።

ስብሓት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195