banner

ቅድስት ተጋዳሊት ማርታ

“ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኽበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ . . .” 2ይ ጴጥ. 3፡9

ቅድስት ተጋዳሊት ማርታ

“ እፎ ዕፁብ ለእለ ቦሙ ንዋይ በዊአ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር/ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግሥተ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቒ እዩ።” ከምዝብል ቃለ ወንጌል፣ ካብ ሃብታማት ክርስቲያን ሥድራ ቤት እኳ እንተ ተወልደት መጽዊታ ሰማያዊ ጸጋ ክትረክብ፡ መስቀል ክርስቶስ ፀይራ ደድኅሪኡ ኽትስዕብ ዘይከኣለት ማርታ ዝስማ ኣብ ምስሪ (ካይሮ) ነበረት። (ማቴ. 7፡19 ፣ ሉቃ. 14፡27) ካብ ንእስነታ ጀሚራ ብግብረ ኃጢኣትን ሥጋዊ ፍትወትን ተሓኒቓ ተረፈት። ካብ ዓይኒ ሰብ ተሠዊራ ብዝሙት ሰብነታ ኣርኰሰት። ሰይጣን ብጾር ዝሙት መሊኽዋ፡ ካብ ብሥዉር ናብ ግሁድ ዕለታዊ ተግባራ ስለዝለወጠቶ ብዅሉ ሰብ ፍልጥቲ ኮነት።

ሰብ ብንስሓ ተመሊሱ ሕይወት ክረክብ እምበር ሞቱ ዘይደሊ በዓል ዓቢይ ምሕረት፡ ብዙኅ ርኅራኄን ነዊኅ ትዕግሥትን እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ብዓይኒ ምሕረቱ ጠመታ። (2ይ ጴጥ. 3፡9) ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣብ በዓል ልደተ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ሥጋኣን ነፍሳን ዘሎ ኵናት ስዒራ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከደት።

ናብታ ድኅሪ ጥምቀታ ዘይኣተወታ ቤተ ክርስቲያን ንኽትኣቱ ኣእጋራ ኣሳጐመት። እንተኾነ ናታ ኃጢኣት ዝፈልጥን ንቤተ ክርስቲያን ከም ብሌን ዓይኑ ብንጽሕናን ክብርን ዝሕልውን ሓላዊ ቤተ ክርስቲያን፦ “ንስኺ ብግብርኺ ስለዝረኸስኪ ናብዚ ክቡር ቤተ ክርስቲያን ክትኣትዊ ኣይትኽእልን ኢኺ።” ብምባል ናብ ውሽጢ ምእታው ከልከላ። ኣብ መንጎኦም ድማ ‘ክኣቱ እየ፡ ኣይትኣትውን ኢኺ’ ብዝብል ክትዕ ኮነ።

ዋዕ ዋዕ ድምፂ ሰሚዑ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኤጲስቆጶስ ናብኦም መጽአ። ጉዳዮም ተረዲኡ ንማርታ ረኣያ እሞ “ቤተ እግዚአብሔር ቅዱስን ንጹሕን ከምዝኾነ’ዶ ኣይትፈልጥን ኢኺ፧ ንስኺ ምስ ርኽሰትኪ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክትኣትዊ ኣይግብኣክን እዩ።” በላ።

በዚ ጊዜ’ዚ ማርታ ኣምሪራ እናበኸየት፦ “ ኦ ኣቦይ! ክንሳሕ እየ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ግብረይ’ውን ዳግም ኣይክምለስን እየ፣ እንተተቐቢልካኒ እውን ክምንኵስ እየ” በለቶ። እቲ ኤጲስቆጶስ ድማ “ በሊ ኪዲ ኵሉ ንዋይኪ ናብዚ ኣምጽእዮ” በላ። ሰብ ጣዕመ መንግሥተ ሰማያትን ምረረ ገሃነመ እሳትን ምስ ፈለጠ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይህብ እዩ ነገሩ እሞ ሽዑ ንሽዑ ከይዳ ንብረታን ክቡር ዝዋግኡ ጌጻ ጌጽን ኣምጽኣትሉ። ንሱ ድማ ፍጹም ምናኔ ክኾነላ ኢሉ ኣብ ቅድሜኣ ኣቃጸሎ። ፀጉራ ላጺዩ ልብሰ ምንኵስና ኣልቢሱ ናብ ደብረ ደናግል ሰደዳ።

ብድኅር’ዚ ብፍጹም ልባ ጽኑዕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ክትጋደል ጀመረት። ወትሩ’ውን ንነፍሳ ፦ “ብጭቃን ብእምኒን ናብ ዝተሠርሐ ቤት ንኸይትኣትዊ ዝተኸልከልኪ ደኣ ከመይ ኢልኪ ናብ ብብርሃን ዝተገብሩ ኣባይቲ ኽትኣትዊ ኢኪ፧!” እናበለት ትግሥጻ ነበረት። ከምኡ’ ውን “ካብ ሓላዊ ቤተ ክርስቲያንካ ዝበጽሓኒ ውርደት ምኽኣል ዝሰኣንኩ ኣነ ባርያኻ፡ ኦ ጐይታይ! ኣብ ቕድሚ ቅዱሳን መላእኽትኻ ኣይተኅፍረኒ” እናበለት ወትሩ ትጽልይ ነበረት።
ቅድስት ማርታ፡ ን25 ዓመት ካብ ገዳማ ከይወፀት ብጽኑዕ ተጋድሎ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ተወሲና ተጋደለት። ድኅር’ዚ ጽኑዕ ተጋድሎኣ ድማ ካብቲ ዘፍቀራ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢላ ብሰላም ዓረፈት። ዝዓረፈትሉ ዕለት ሠለስተ ሰኔ እዩ።

በረከተ ጸሎታ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ አሜን።

ሰላም ለማርታ ጥዕምተ ዝክር ወዜና፣

ዘተዐጽፈት ሠቀ አልባሰ ወርቅ መኒና፣

አመ ገሠጻ ኢትባእ ውስተ ቤተ መቅደስ እንበለ ንጽሕና፣

እስከነ ሞዓቶ ለእኩይ ሕሊና፣ ዓቃቤ ኆኅት ምክንያተ ኮና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195