ልሳነ ግእዝ፦ መራሕያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ፦ መራሕያን

መርሐ /መራ/ ካብ ዝብል ግሥ ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፡ መራሕያን ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ልሳነ ግእዝ መራሕያን ዝበሃሉ ዓሠርተ እዮም።

ንሳቶም ኸኣ ፦


አነ ………………………………ኣነ
አንተ ……………………………ንስኻ
አንቲ ……………………………ንስኺ
ውእቱ ……………………………ንሱ
ይእቲ …………………………….ንሳ
ንሕነ ……………………………..ንሕና
አንትሙ ………………………….ንስኻትኩም
አንትን ……………………………ንስኻትክን 
ውእቶሙ /እሙንቱ/ …………….ንሳቶም 
ውእቶን /እማንቱ/ …………………ንሳተን

 መራሕያን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ይህብ።

    1. ከም ተውላጠ ስም (ክንዲ ስም)  ኮይኑ ብቦታ ብቝጽሪ ብዓይነት ተኸፊሉ የገልግል።

ብቦታ ፦ ርኁቕን ቀረባን።

ብቝጽሪ፦ ነጸላን ብዙኅን።

ብዓይነት፦ ተባዕታይን ኣንስታይን ይብሃሉ።

፩. ቀዳማይ መደብ / 1st person/፥

አነ => ኣነ = I
ንሕነ => ንሕነ = we

፪. ካልኣይ መደብ /2nd person/ ፥
አንተ => ንስኻ = you
አንቲ => ንስኺ = you
አንትሙ => ንስኻትኩም = you (ንቀረባ ተባዕታይ)
አንትን => ንስኻትክን = you (ንቀረባ ኣንስታይ)

፫. ሣልሳይ መደብ / 3rd person / ፥

ውእቱ => ንሱ = He
ይእቲ => ንሳ = She
ውእቶሙ => ንሳቶም = They (ንርኁቕ ተባዕታይ)
ውእቶን => ንሳተን = They (ንርኁቅ ኣንስታይ)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!