ልሳነ ግእዝ፦ ግሥ (1ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ፦ ግሥ (1ይ ክፋል)

ናይ ምሉእ ሓሳብ (ዓረፍተ ነገር) መእሰሪ ዐንቀጽ ግሥ ይበሃል። ብእንግሊዘኛ verb ዝበሃል እዩ።

1. ነባር ግሥ ፦ ዘይረብሕ፡ ዘይዝርዘር፡ ዘይወርድ፡ ግና ዝባዛኅ ኣሎ ዘይባዛኅ ኣሎ።

ነባር ግሥ ግና ብግእዝ፣ ካዕብ፣ ሣልስ፣ ራብዕ፣ ኃምስ፣ ሳድስን ሳብዕን ብዅሎም ብሾብዓተ ሆሄያት ይለዓልን ይትንሥእን። ከምኡ ድማ ብሾብዓቲኦም ሆሄያት ይውድእ።
ንምሳሌ፦ ከመ፣ እስመ፣ ለሊሁ፣ ቁፋሂ፣ አሓ፣ መድሔ፣ ቴቁሔ፣ ሰዳሔ፣ ለውህ፣ ተጽራሕ፣ ቱፋሕ፣ ታእኅ፣ ትክቶ፣ ቅንጽራሆ፣ ቶማስ፣ ሲሕ . . . ።

2. ሥርወ ግሥ፦ ዝራባሕ፡ ዝዝርዘር፡ ዝወርድን ዝበዝኅን እዩ። ካብ 2 ፊደል ክሳብ 7 ፊደል የጠቓልል።

ሥርወ ግሥ ብኅሉፍ ዓንቀጽ፡ ብፆታ ተባዕታይ ይግለጽ። ብኃሙሽተ ሆሄያት ማለት ብግእዝ፣ ራብዕ፣ ኃምስ፣ ሳድስን ሳብዕን ይለዓልን ይትንሥእን። በዞም ኃሙሽተ ሆሄያት እንተዘይኮይኑ፣ ብካዕብን ሣልስን ኣይትንሥእን እዩ።
መዕለቢኡ ወይ መወዳእታኡ ድማ ግእዝ ጥራይ እዩ።

• ብግእዝ ኪለዓል ከሎ፦ ሐለመ፤ ከፈለ፤ አመረ፤ ተንበለ፤ ቀተለ . . . ።

 ብራብዕ ኪለዓል ከሎ፦ ባረከ፤ ሣረረ፤ ፃዕደወ . . . ።
 ብኃምስ ኪለዓል ከሎ፦ ሤመ፤ ኄለ፤ ዔለ፡ ሴሰየ . . . ።
 ብሳድስ ኪለዓል ከሎ፦ ብህለ፣ ክህለ፣ጥሕለ . . . ።
 ብሳድስ ኪለዓል ከሎ፦ ቆመ፤ ሖረ፤ ጾመ፤ ሆከ፡ ጦመረ . . . ።

ሥርወ ግሥ፦ ብሾሞንተ ኣርእስት ይኽፈል፣ ብኃምሳ ሠራዊት ይዝርዘር፣ ብኃሙሽተ ኣዕማድ ይግለጽ፣ ብዓቢይ ዓንቀጽን ንዑስ ዓንቀጽን ብደቂቅ ዓንቀጽን . . . ተጠቕሊሉ ይርከብ።

• አርእስት

ንዅሉ ግሥ ብረባሕታኦም ኮነ ሰዋስዋዊ ኣገባቦም ዝውክሉ ‘ኣርእስት’ ይበሃሉ። ኣርእስት ዝተባህሉ ሾሞንተ እዮም። እዚኣቶም ከኣ፦

1. ላሕሊሑ ፍጹም ግእዝ ዝኾነ በዓል 3 ሆሄያት ግሥ፡ ቀተለ እዩ።
2. ማእከሉ ዝጠበቐ ፍጹም ግእዝ ዝኾነ 3ተ ሆሄያት ግሥ፡ ቀደሰ እዩ።
3. ብግእዝ ዝተላዕለ ማእከሉ ሳድስ ዝኾነ 3ተ ሆሄያት ግሥ፡ ገብረ እዩ።
4. ብግእዝ ዝተላዕለ ሳድስ ዘኸተለ በዓል 4ተ ሆሄያት ግሥ፡ አእመረ እዩ።
5. ብራብዕ ዝተላዕለ ግእዝ ዘኸተለ በዓል ሠለስተ ሆሄያት ግሥ፡ ባረከ እዩ።
6. ብኃምስ ዝተላዕለ በዓል 2ተ ሆሄያት ግሥ፡ ሤመ እዩ።
7. ብሳድስ ዝተላዕለ በዓል 3ተ ሆሄያት ግሥ ብህለ እዩ።
8. ብሳብዕ ዝተላዕለ በዓል 2ተ ሆሄያት ግሥ፡ ቆመ እዩ።

• ሠራዊት

ነዞም ሾሞንተ ኣርእስቲ ዝተባህሉ ንነፍሲ ወከፎም ካብ “ሀ” ጀሚሩ ክሳዕ “ፐ” ካብ መበገሲ ክሳዕ መዕለቢ፡ ብቅርጾም ኮነ ረባሕታኦም ንእኣቶም ዝመስሉ ‘ሠራዊት’ ይበሃሉ።

 ናይ ቀተለ ሠራዊት፦ ሐፀ፣ ሐተተ፣ መሐለ፡ ሰአለ፣ ወሀበ፡ ወዐለ፣ ነቀወ፣ ከወወ፣ ወረደ፣ ወደየ፣ ጸገየ
 ናይ ቀደሰ ሠራዊት፦ ሰብሐ፡ ጸውዐ፣ ለበወ፣ ተሠረወ፣ ተወከለ፣ ተነበየ፣ ሀለወ፣ ሐለየ፣ ተመክሐ፣ አንገለገ
 ናይ ገብረ ሠራዊት፦ ሠክረ፣ መልሐ፣ በልዐ፣ ወድቀ፣ መስወ፣ መስየ
 ናይ ተንበለ ሠራዊት፦ አድለወ፣ አጥረየ፣ አመንተወ፣ አመክነየ፣ አመድበለ፣ አንቀልቀለ፣ አንስሐስሐ፣ አቅየሐይሐ፣ ቀበያውበጠ፣ ተወሀውሀ
 ናይ ባረከ ሠራዊት፦ ሣረረ፣ ማለወ፣ ሣቀየ፣ ፃዕደወ፣ ጻሕየየ፣ ማሕረከ
 ናይ ሤመ ሠራዊት፦ ቄቅሐ፣ ዜነወ፣ ጌገየ፣ ፄወወ
 ናይ ብህለ ሠራዊት፦ ውኅዘ፣ ስሕወ፣ ጥዕየ
 ናይ ቆመ ሠራዊት፦ ኆሠሠ፣ ቶስሐ፣ ሞርቅሐ፣ ሎለወ።

*** ተፈጸመ ቀዳማይ ክፋል

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!