'ጉድ ረኺቡ ግእዝ!'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጉድ ረኺቡ ግእዝ

ኣብ ዕለተ ምረቃ መጽሓፍ ‘ምዕላደ ቃላት’ ብዛዕባ ልሳነ ግእዝ ብዲያቆን ሃብተአብ ሙሉጌታ ዝቐረበ ግጥሚ ፦

ብመላእኽቱን ሕዝቡን ወትሩ ዝምለኽ።

ኣብ ቅርዓት ዓደቦኡ ኸይከፍት ልሳኑ፡

ይግባይ ኣብ ዘይብሉ መዋእል ተኾኒኑ።

 

ሰብ ከኣ ይሓምዮ ብኣፉ ዘዝሃቦ፡

ተለኺዑ ሞይቱ ኸም መንፊት ጥብጣቦ።

 

ገለ ሰብ ኣሎ ኸይምርምር ከይሓትት፡

ንግእዝ ይገብሮ ኣይህልው ኣይምዉት።

ፈላጥ እየ ዝብል ብቚንጣሮ ፍልጠቱ፡

ንግእዝ የስፍሮ ኣብ መዝገብ ዝሞቱ።

 

ግእዝ ተመሃር እንተበልካዮ ንምሁር፡

ይብል እንታይ ክዓብሰለይ ሩባ ዘይሰግር።

እዚውን ይዝንግዕ ብሰንኪ ዘይምፍላጡ፡
ኣብ ኤውሮጳ ከም ዘሎ ግእዝ ኮይጡ።

ግና ግእዝ ሰባት እንተሓሰብዎ ጣቋ ኸም ዘይብሉ፡
ሕዝቢ ኣግዓዚት ይሓቚፎ ብዜማ ኣማእኺሉ።

እንተ እቶም ግእዝ ሞይቱ እዩ ኢልኩም እተውርዩ፡
ካብ ብሂል ኣቦታት ክነግረኩም ረኣዩ።

“ድኅሪ ሞት ኣቦኻ ሞት ግዴኻ” እትብል ከም ዘላ፡
ግእዝ እንተሞይቱ ዕድሚኡ ኣኺላ፡

በዓል ትግርኛ በዓል ትግረ ንሱ ዝወለዶም፡
ኣይረኽቦምን’ዶ ክዉን ዕጫ ወላዲኦም። (3)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!