banner

ኦ ወዲ ኣዳም ክፈተኒ! (ራእይ ዮሓንስ 3፡20)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኦ ወዲ ኣዳም ክፈተኒ! (ራእይ ዮሓንስ 3፡20)

ፀሓይ ዕድሜኻ ካብ ትበርቅ ኣትኂዘ
እኩሕኩሕ’የ ዘለኹ ከይበልኩ ደንዚዘ
        ኣንታ ወደይ እንታይ ድዩ ወሪዱካ
        እዚ ኵሉ ክዅሕኵሕ ጌና ዘይከፈትካ

ጫቁጫቑ ዓለም ተኾይኑ ንውኖኻ ዝዓብለለ
‘መን ኢኻ፧’ በለኒ ክምልስ ዓው ኢለ

        እምበኣር ኣነስ ክሳብ ዘረጋግጽ
ድምፂ ምዅሕኳሐይ ኣብ እዝንኻ ከምዝበጽሕ
ኣየቋርጽን እየ ምኵሕኳሕ ጸጸኒሐ

         ዋላ ጸላኢ

ብኃጢኣት ተዓሽጉ ዝብል እንተለጠፈ
ኣይትሸገር ክቐዶ’የ በብሓንቲ ቀሪፈ
ናብ ዝኸዶ ስለዘየለ ካብ እንዳወደይ ጓለይ ኃሊፈ

ስለዚ ወደይ ጓለይ 

       ፀሓይ ዕድሜኻ ከይዓረበት እንከላ
       ሓደራ ክፈተኒ እታ መፍትሕ ምሳኻ/ኺ ዘላ!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195