banner

'ትንሣኤ ልቡና'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

'ትንሣኤ ልቡና'

ሽግር’የ ረኺበ ኣነ ጉዳመኛ

ብገጸይ መንፈሳዊ ውሽጠይ ግና ዓመጸኛ

      ፍርሐት ኣምላኽ ይሰብኽ ኣፈይ ዓው ኢሉ

      ፍርሐት ናይ ውሽጠይ ግና ብስስዐ ተዓብሊሉ

ኣምላኽ ብጸጋኡ ከምዝምግብ ዘንጊዐ
ንሥጋይ ክእክብ ካብ ቤተ ክርስቲያን መመንዚዐ

      ንዘጋጥመኒ ሽግር ክንዲ ናብ ኣምላኽ ዘማኅጽኖ 

      ሕልናይ የንቅድ ክፍጽም ዝወጠኖ

ብልሳን ከምስል ምእመናን እምህር
ድሌት ልበይ ግና ህቡብነት ይምእርር

      ከናፍረይ ከመስግና እናዘመራ ብዓውታ
     አዕይንተይ ብኣንጻሩ ናብ ዝና የቋምታ

በዝን ወዲ ከምዝን፡

ንትዕቢትን ረኣዩኒን ጸንቂቐ ጸንቂቐ
ብዘስከረኒ ጃሕራ ኣብ ሓሶት ወዲቐ

ግና ኸኣ

ካብ ምውዳቐይ ከይትንሥእ ኣኪበ ናይ ዘሎኒ
ዝጾርኩዎ ርእሰ ክብሪ መሊሱ ጸቒጡኒ

ሕጂ ግና ወሲነ

ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ንኃጥእ ዘይንዕቕ
ፉሑኽ እናበልኩ ኣብ ቅድሜኡ ክወድቕ

ሽዑኡ ንሱ

ብኣምላኻዊ ፍቕሩ ንበደለይ ነጊፉ
ብኽብሪ ትንሣኤ ከተንሥኣኒ ቀልጢፉ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195