banner

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

ዕለተ ሰንበት ኪበጽሕ ዝኀደረ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን፡ ‘አሐዱ አብ’ ተባሂሉ ብዝጀመረ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ኤልሳቤጥ ህውኽ ኢላ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፂኣ መኽፈልቲ ጥዒማ ብታህዋኽ ነቲ ቍልቍል መንገዲ ተተኃኃዘቶ። ነቶም ኣብ ቅዳሴ ዚጸንሑ ወለዳ ቡኖምን ቍርሶምን ቀሪባ ምጽናሕ ከም ልምዲ ዝኀዘቶ ሥራሕ እዩ ነይሩ።

ነቲ ኣቦኣ ባሻይ ተኽለ ማርያም ብድርኡ “ኤልሳቤጥ ጓለይ ጽባሕ ንግሆ ዚመጹ ኣጋይሽ ኣለዉ’ናሞ ቅልጥፍ ደኣ በሊ” ዝበልዋ እናዘከርት ዳርጋ ጕያ ሓዊሳ እያ ናብ ገዝኣ በጺሓ። ናውቲ ቡን እናቀራረበት ከላ ከኣ ማዕፆ ካንሸሎ ተዃሕኵሐ፦ “እዚ ድዩ እንዳ ኣቶ ተኽለ፧” ኢሎም ሓተቱ። ኤልሳቤጥ ድማ “እወ እተዉ” ኢላ መሪሓቶም ንውሽጢ ቤት እናኣተወት ከላ ሥድራኣ ድማ ብደገ ህሩግ በሉ። “ኣንታ ባሻይ ዓርከይ፡ ሓደ ኣፊቱ ደኣ ምስቶም ካህናት ኣብቲ ደገ ሰላም ዘይትኣቱ” በልዎም እናሰሓቁ። እቶም ዋዛ ዘይፍለዮም ባሻይ ተኽለ ማርያም ድማ “ደገ ሰላም እኮ ናይ ካህናት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኵሉ ደላዪ ሰላም ‘ኣፍ ደገ ሰላም’ ማለት እኮዩ” ብምባል ናብ ሳሎን መሪሖምዎም ኣተዉ።

ተውሳክ፡ . . . እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምለክ!

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

ሓደ ካብ’ቶም ንበረኻታት ግብጺ ብመስቀሎም ዝባረኹ ብብርሃኖም ንብዙኃን ብርሃን ዝኾኑ፡ ቅዱስ ኣባ ሰራጵዮን ኣብ ዝነበርሉ ዘመን እዩ። ነቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሐፈ መክብብ ዝበሎ ዘንጊዑ፡ የእዛኑ ፍልጠት ተመልኣ ብምባል “ገለ ቃል እባ ሃቡኒ” እናበለ ናብ ብዙኅ ቦታ ዝዘውር ዝነበረ እዚ መንእሰይ።

ጽቡቅ ልማድ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ኣብ ዝኣትወሉ ‘ውን መጽሓፍቲ ዓዲጉ ብምምጻእ ንከብሕታቱ መጽሐፍቲ ምስ መልኦ እዩ። የዒንቱ ግን ገበር መጽሐፍቲ ካብ ምርአይ ሓሊፈን ንውሽጢ ኣትየን እንታይ ይብል እቲ መጽሓፍ ክፈልጣ ባህጉ ኣይሓገዘንን።

ተውሳክ፡ . . .“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

እቲ መልአኽ (መዝ. 34፡7) - ቅኔያዊ ግጥሚ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እቲ መልአኽ (መዝ. 34፡7)

ሓደ እዋን ኣብ ገለ ከለኹ
ፃዕዳ ዝለበሰ፡ ኣብ ጐነይ ረአኹ
        መን’ኮን ይኸውን እናበልኩ ብውሽጠይ
        መልኣኽ እግዚአብሔር’ዩ ሰሚዐን ኣእዛነይ
ጸኒሐ ጌና፡ ከለኹ ኣብ ጸልሚ
ዝኸድኩ መሰለኒ ናብ ዓለማዊ ሰልሚ
       ካብ ሰልሚ ወፂአ እናበልኩ መሊሰ
       ህቦብላ ስስዐ ኣብ ዙርያይ ነፈሰ
ነዊኅ ከይጸንሐ ግና ተዓዝረ ንኣንፉ
መንገፉ ናይ ቅንኢ ኣብ ዓይነይ ገዲፉ
       ከይድለይ እናበልኩ
       ውሕጅ ዓለም ዝሙት መጽአ ምስ ሕንባቡ
       ገፊዑ ገደፈኒ ብርኽሰት ኣዘቕቢቡ

ተውሳክ፡ . . . እቲ መልአኽ (መዝ. 34፡7) - ቅኔያዊ ግጥሚ

ትንሣኤ ሕሊና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ትንሣኤ ሕሊና

ኣብ ሥጋይ ዝተገብረ ናይ ኃጢኣት ወፍሪ፡
ብሕማም ማሲኑ፡ ከየንውኀ ዕምሪ።
ነፍሰይ እንተኾነት ኣይ ብኢዳ ብእግራ፡
ሥጋ ዝተዓድዮ ንሳ ተኣሲራ።

ተውሳክ፡ . . . ትንሣኤ ሕሊና

ነቲ ካልእ ገጽ ሕይወት ዘፍለጠኒ በዓል ውዕለት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ነቲ ካልእ ገጽ ሕይወት ዘፍለጠኒ በዓል ውዕለት

ካብታ ሃገር ዝመለሰኒ ዘመን ኵነንየይ ወዲኡ ናብቲ ሠናይ ምጽንንዑ ዝመለሰኒ እቲ ብተግባር ኣእዳዉ ዝፈጠረኒ ርኅሩኅ ኣምላኸይ ወትሩ ይኽበር ይመስገን ሎምን ኵሉ ሳዕን።

ኣነ ብተግባር ኣእዳው እግዚአብሔር ዝተፈጠርኩ ጐይታይን ንጉሠይን ንሱ ዝኾነ ብድኅሪ ምፍጣሩ ውን ከንቲባ ናይታ ልምዕቲ ኸተማ ጌሩ ዝሸመኒ ሰብእየ፡ ከተማይ ኣዝያ ባህ እተብል ንምጥማታ እተብህግ ንምንባራ ኣዝያ ምሽእቲ እያ። መልክዕ ናይ ከተማይ ምድራ ልሙዕ ሰቲ፣ ኣግራባ ምቁር ፍረ ዚህቡ፣ ኣየራ ካብ ድኻም ሕይወት ዘበራብር፡ ኣዝዩ ምዑዝ፣ ንፋሳ ህዱእን ልኡምን ተናፋቕን ወኃይዛ ነታ ከተማ ግርማ ዚህቡ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ኪውኅዙ ኸለዉ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰትን ንብዘሎ ኣግራብን የስትዩ ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ዚውኅዙ እወ ነቲ ኣብኡ ዘሎ የስትዩ። ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ካብ ሰሜን፡ ናብ ደቡብ እና ወኃዙ ንብዘሎ ናይታ ኸተማ ኣትክልትን ሳዕርን ሕይወት ይህቡ። ንኣይ ውን ካብ ጽምኢ የርውዩንን ብመልክዕ ሥራሖም እሕጐስን፡ ካብ ብዘሎ ርስሓት ብእኦም እነጽሕን።

ተውሳክ፡ . . . ነቲ ካልእ ገጽ ሕይወት ዘፍለጠኒ በዓል ውዕለት

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195