banner

ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ (3ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ ወያየድዐከ ወለሊቃውንቲከ ይዜንዉከ/ ነቦኻ ሕተቶ ንሱ ኸኣ ፍጹም ክነግረካ እዩ፣ ሊቃውንትኻ ድማ ከብርሁልካ እዮም” ዘዳ. 32፡7

ቶማስ ንየኔታ ኣእምሮ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ሓተቶም ፦

ቶማስ፦ ንዅሉ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዘሎ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ዝፈጠረ መን እዩ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር እዩ።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ኣበይ ይርከብ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር ኣብ ሰማያትን ምድርን ኣብ ኵሉ ቦታ ይርከብ፣ ኣብ ኵሉ’ውን ምሉእ እዩ። ንሱ ዘይርከቦ ቦታ የለን።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ብቦታ ይውሰን’ዶ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር ፈጣሪ ስለዝኾነ ንዅሉ ይውስን እምበር ንሱስ ብቦታ ኣይውሰንን እዩ።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ይርአ ወይ ይድኅሠሥ’ዶ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር፡ መለኮታዊ ረቂቅ ስለዝኾነ ኣይድኅሠሥን ኣይጭበጥን ፈጺሙ’ውን ኣይርአን እዩ። ብምንም ዓይነት ሳይንሳዊ ምርምር ምርካብ ኮነ ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ።
ቶማስ፦ ህልውና እግዚአብሔር ብምንታይ ንፈልጥ፧


የኔታ አእምሮ፦ ብዝፈጠሮም ፍጥረታት ንፈልጥ።
ቶማስ፦ ክንደይ ፍጥረታት ፈጠረ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተዝቝጸሩ ፍጡር ቈጺሩ ዝውድኦም ኣይኮነን። በብወገኖም ካብ ብዙኅ ሓደ ሓደ እናበልካ እንተተቘጽሩ ግና ዕሥራን ክልተን እዮም።
ቶማስ፦ ንምንታይ ፈጠሮም፧
የኔታ አእምሮ፦ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርና ህልውናኡ፡ ጥበቡ፡ ፍቓዱ፡ ክንፈልጥን ከነመስግኖን።
ቶማስ፦ ንኣናኸ ንምንታይ ፈጢሩና፧
የኔታ አእምሮ፦ ከነምልኾ፡ ከነመስግኖ፡ ክንሰግደሉን ክንእዘዞን ፈጢሩና።
ቶማስ፦ ከይረኣናዮን ከይዳኅሠሥናዮን ደኣ ብኸመይ ገይርና ነምልኾን ንሰግደሉን፧
የኔታ አእምሮ፦ ብሃይማኖት (እምነት) ነምልኾን ንሰግደሉን።
ቶማስ፦ እንታይ’ዩ ሃይማኖትና፧
የኔታ አእምሮ፦ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ
ቶማስ፦ ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧
የኔታ አእምሮ፦ ‘ኦርቶ’ ማለት ቅኑዕ፡ ጽኑዕ ማለት እዩ፣ ‘ዶክስ’ ድማ እምነት ሃይማኖት ማለት እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ቅኑዕ ጽኑዕ ሃይማኖት ማለት እዩ።
ቶማስ፦ ተዋሕዶ ማለት’ከ፧
የኔታ አእምሮ፦ ቃል ሥጋ ኮነ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ማለት እዩ። ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኮነ። ‘ውእቱ እግዚአብሔር ዘኮነ ሰብአ፡ ወውእቱ ሰብእ ዘኮነ አምላከ’ ከም ዝበለ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ።
ቶማስ፦ ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮነ፧
የኔታ አእምሮ፦ ንኣና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ናፃ ኣውፂኡ ከድኅነና።
ቶማስ፦ ኣምላኽ መዓስ ሰብ ኮነ፧
የኔታ አእምሮ፦ ብ 29 መጋቢት ብዘመነ ዮሐንስ ብዕለተ ሰንበት ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብተዋሕዶ ሰብ ኮነ።
ቶማስ፦ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ መን እዩ፧
የኔታ አእምሮ፦ ወልደ አብ ብመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ናይ አብ ናይ ባሕርይ ወዱ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ቶማስ፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመን ተጠምቀ፧
የኔታ አእምሮ፦ ብኢድ ቅዱስ ዮሐንስ ብዕለተ 11 ጥሪ ብዘመነ ሉቃስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።
ቶማስ፦ ኣምላኽ ከሎ ስለምንታይ ብሰብ ተጠምቀ፧
የኔታ አእምሮ፦ ኃጢኣትና ክድምስሰልና፡ ሠለስትነቱ ክገልጸልና፡ ትንቢት ክፍጽምን ጥምቀት ክሠርዓልናን።
ቶማስ፦ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ብኸመይ ንረክብ፧
የኔታ አእምሮ፦ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ብምቝራብ።
ቶማስ፦ ክቡር ደሙን ቅዱስ ሥጋኡን ክንወስድ እንታይ የድልየና፧
የኔታ አእምሮ፦ ብንስሐ ተሓጺብና ነጺሕና፡ ምእንታና ዝተቐበሎ 13ተ ሕማማተ መስቀልን 5ተ ቅንዋትን እናዘከርና ክንቅበሎ ይግባእ።
ቶማስ፦ ሰብ ካብ ካልኦት ፍጥረታት ብምንታይ ይፍለ፧
የኔታ አእምሮ፦ ትንሣኤ ሙታን (ካብ ሞት ምትንሣእ) ስለዝምልከቶ።
ቶማስ፦ድኅሪ ትንሣኤ ሙታን ብሕይወት ክንነብር እንታይ ክንገብር የድልየና።
የኔታ አእምሮ፦ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ሠናይ ግብሪ እናፈጸምና ክነብር ይግባእ።
ቶማስ፦ ናይ ሰብ ናይ ዕለት ተግባሩ እንታይ እዩ፧
የኔታ አእምሮ፦ ንዝፈጠሮ እግዚአብሔር ወትሩ ምምስጋን።
ቶማስ፦ ሰብ፡ ድኅነተ ነፍሲ ክረክብ እንታይ ክፍጽም ይግብኦ፧
የኔታ አእምሮ፦ ብቃለ እግዚአብሔር እናተመርሐ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን እናተመላለሰ፡ ምስ አበ ነፍሱ እናተዘራረበ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እናፈጸመ ክነብር ይግባእ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና፦ ብቃሉ ተመሪሕና፡ ናብ ቤቱ ተመላሊስና ምሥጢር ቤተ ክርስቲያን እናፈጸምና ብተዋሕዶ ጸኒዕና ናይ መንግሥቱ ወረስቲ ክንከውን ናቱ ምሕረት፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ረድኤት ፡ ናይ ቅዱሳን ጸሎት ኣይፈለየና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195