banner

ጽንሰታ ለማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጽንሰታ ለማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ዝነበረን ምስ ተወልደት’ ውን ኣደ አምላኽ ከም ዝኾነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እምሥርወ ዕሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ/ ካብ ጕንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጕንዲ በትሪ ዕንባባ ጠጢዑ ክወጽእ እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩ ነይሩ (ኢሳ. 11:1) ። ኣብዚ ቃል’ዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትኸውን ከላ ዕንባባ ወይ ጠጥዐ ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ።

ቅዱሳን ነቢያት በቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ረቒቅ ናይ ትንቢት ምሥጢር፡ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በብወገኖም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙኃት እዮም። ንኣብነት፦ ቅድሚ ነቢይ ኢሳይያስ ዝነበረ ልበ ኣምላዳዊት ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ’ሞ መኅደሪኡ ክትኸውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ብሂገያ እየ እሞ ኣብዚኣ ክነብር እየ” ይብል። (መዝ. 132፡13-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።

ደጊሙ’ዉን ነቢይ ኢሳይያስ ብንጽሕናን ብድንግልናን አምላኽ ከም እትወልድ ክነግር ከሎ፦ “እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ እንሆ ድንግል ክትፀንስ እያ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ ውን አማኑኤል ክትሰምዮ’ያ” ኢሉ’ዩ። (ኢሳ. 7:14) እዚ ትንቢት’ዚ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን አማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚአብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ።

ኣቦና ኣዳም ውን ካብ ገነት ክስጐግ ከሎ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሽዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” ዝብል ተስፋ ድኅነት ተዋሂብዎ እዩ።(ዘፍ. 3፡14) እታ ተስፋኡ ኸኣ እታ ሰበይቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ነበረት፡ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ዝደረሶ ቅዳሴ “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ።

እዛ ተስፋ አዳምን ንአምላኽ ከም እትወልድ ትንቢት ዝተነበዩላ ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ናይ ትውልዳ ነገር ብኸምዚ ዚስዕብ ኣሕጺርና ክንገልጽ።

በጥሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ውን ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፈትዉ ቡሩኻት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚአብሔርን ብቑዓትን ብዙኅ ሃብቲ ዝነበሮምን ነበሩ። በጥሪቃ ብምድራዊ ሃብቱ ዝኸበረ ምግባሩ ዝጸበቐ ፡ ብሠናይ ግብሩ ኣብ ሃገሩ ዝፍለጥ፡ ንሕግታት ሙሴ ተጠንቒቁ ዝሕልው ጻድቅ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። ሰበይቱ ቴክታ’ውን ኣዝያ ጽብቕቲ፡ ብልባ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ፡ ንሰብኣያ ከም ሳራ ጐይታይ ኢላ እትእዘዝ፡ ጥበብ ዝመልኣ ሰበይቲ እያ ዝነበረት።(ምሳ. 31፡10-) ሓደ መዓልቲ በጥሪቃ ኣብ ምድሪ ዝኸበረሉ ሃብቱ ኵሉ ጸብጺቡ ንሰበይቱ ‘እዚ ኵሉ ዝኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና፧ ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን’ በላ።

ንሳ ውን “ነቲ ኣምላከ እስራኤል ዝገብሮ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የለን፡ ካብ ካልእ ውለድ ከማይ ኣይትኩን” በለቶ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኣይኮነን ክገብሮ ብልበይ ከም ዘይሓስቦ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።” ክብል መለሰላ።

ቴክታ ናብ ውሻጠ ኣቲያ ተንበርኪኻ ናብ አምላኻ ብብኽያት ኣምሪራ ጸለየት፡ “ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣብርሃም ይስሓቅ ናይ እሥራኤል አምላኽ ንኹሉ ንስኻ ትፈልጥ” ኢላ ተኣመነት። ንጽባሒቱ ናብ በጥሪቃ መጺኣ “ትማሊ ብኅልመይ ፃዕዳ ምራኽ (ብተይ) ካብ ማኅፀነይ ክትወጽእ እታ ፃዕዳ ምራኽ ውን ፃዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበለ ክሳብ ሸውዓተ ትውልዲ ክዋለዳ፡ እታ ሻብዐይቲ ንወርኂ ክትወልድ፡ እታ ወርኂ ድማ ንፀሐይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ። ንሱ ውን “እቲ ራእይ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈትሕ ከይዱ ዝበለቶ ኵሉ ነገሮ። እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ ‘እግዚአብሔር ብምሕረቱ ርእይኩም እዩ። 7ተ ኣንስቲ ምራኻት ምውላድኩም 7 ኣዋልድ ዝውለዳ እየን፡ እታ ሻቡዓይቲ ንወርኂ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ፀሐይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዎን’ በሎም።

ኣብቲ ወርሓት እግዚአብሔር ንቴክታ በጽሓ ንሳ’ውን ፀነሰት ኣብ 9ይ ወርኂ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ ሄኤሜን ኢሎም ኣውጽኡላ። ሄኤሜን ማለት “ረከብኩ ስእለትየ/ ዝለመናዮ ረኸብና" ማለት እዩ። ሄኤሜን ውን ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ስማ ዴርዴ ኢሎም ኣውጽኡላ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ ቶና ኢሎም ሰመይዋ። ቶና ማለት ራእይ ርኢና ነገር ረኺብና ንዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ ሲካር በልዋ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሲካር ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ ሴትና ኢሎም ጸውዕዋ። ሴትና ማለት ሥራሓ ዝጸበቐ፡ ግብራ ዝሠመረ ጽብቕቲ ማለት እዩ። ሴትና ውን ብሥርዓት ዓብያ ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ ሔርሜላ ኢሎም ኣውጽኡላ። ሔርሜላ ማለት ካብ ክቡራን ካብ ሃብታማት ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሔርሜላ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ ሓና ኢሎም ኣውጽኡላ። ሓና ማለት ብሃይማኖትን ግብርን ጽንዕቲ ብንጽሕና ብቅድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ፍጥረት ማለት እዩ። ናይ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቑጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቈጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ እየን።

ሓና ውን ብሥርዓት ዓቢያ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት፡ ካብ ነገደ ይሁዳ ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ዝብሃል ሰብ ኣመርዓውዋ። ሓናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ውላድ ክህቦም ኵል ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ብሓባር “ወዲ እንተወለድና ሓሪሱ ኵዒቱ የብልዓና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር የገልግል፥ ጓል ውን እንተኾነት ማይ ቀዲሓ መሶበ ወርቅ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር ተገልግል” ኢሎም ተማባጽዑ። ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ካህን ዘካርያስ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ጸሎቶም ኣዕረገሎም፡ “እግዚአብሔር ጸሎትኹም ይስማዕኩም መብጽዓኩም ይፈጸመልኹም” ክብል ጸለየሎም።

ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚአብሔር አምላኽ ንልመናኦም ሰሚዑ ብ7ተ ነሐሰ ብዕለተ እሑድ ካብ ሰብን ዝበለጸት ካብ መላእኽቲን ዝኸበረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክህቦም ፍቓዱ ኮይኑ ተፀንሰት። ድኅሪ ትሸውዓተ ወርኂ ኣብ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት።

እምበኣር ምእመናንን ምእመናትን፡ በዛ ሎሚ ዕለት መመኪሒትና ጀማሪት ድኅነትና፡ ኣዲኡ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፀንሰትሉ ዕለት ስማ እናዘከርና፡ ፍቕራን ርኅራኄኣን ረድኤታን ኣማላድነታን በረኸታን ስንቂ ጌርና ንሱባኤና ክንፍጽሞ ቅዱስ ፍቓድ እግዚአብሔር አምላኽና ይግበረልና። ኣማላድነት ወላዲተ አምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵልና ይኹን አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!!!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195