banner

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጥምቀተ ክርስትና

ጥምቀት ማለት ‘አጥመቀ’ ካብ ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ፦ ‘ኣብ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ማየ ገቦ ጠሊቕካን ተኣሊኽካን፡ ተሓጺብካን ምውፃእ’ ማለት እዩ። “ወተቀበርነ ምስሌሁ ውስተ ጥምቀት በሞቱ/ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝተቐበርና ፍለጡ” ከምዝብል። (ሮሜ 6፡4)። እዚ ድማ ብሞቱ ጥምቀት መቓብርነት ከም ዝኸበርናን ከም ዝተቐደሰናን ፍለጡ ማለት እዩ። ስለዚ ግቡእ ሥርዓተ ጸሎተ ጥምቀት ተፈጺሙ፡ እቲ ካህን ‘፩ዱ አብ ቅዱስ፡ ፩ዱ ወልድ ቅዱስ፡ ፩ዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሉ ብመስቀሉ ምስ ባረኾ፣ ብኃይሊ እግዚአብሔርን ብሥልጣን ናይቲ ካህንን እቲ ተራ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ። ሽዑ እቲ ካህን ናብዚ ማየ ገቦ ብምጥላቕ፡ ናይ ምቕባሩ ምሥጢር ይፍጸም፣ ካብዚ ማየ ገቦ ብምውፃእ ድማ ናይ ምትንሣኡ ምሥጢር ይፍጸም ኣሎ። ‘እም ከመሰ ዐረይነ ሕማመ ንዔሪ ክብረ ምስሌሁ’ ከምዝብል። (ሮሜ 8፡17)

ተውስክ፡ . . .ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ካልኣይ ክፋል)

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

* ጥንተ አብሶ እንታይ ማለት እዩ፧

ጥንተ አብሶ ማለት ካብ “ ‘ወጠነ፣ ‘አበሰ’ ” ዝብል ግሢ ዝወፀ ኾይኑ ትርጕሙ ኸኣ ‘ጥንታዊ ወይ ቀዳማዊ ኃጢኣት’ ማለት እዩ። ጥንተ አብሶ ካብ ዲያብሎስ ዝተረኽበ ደኣ እምበር ካብ ባህርይ ኣዳም ዝተኸፍለን ዝተረኽበን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣንጻር ቅድስና ሕይወት ዝጐዓዝ ንሱ ኣብ ኣርዌ ምድር ኃዲሩ ንሔዋን ‘ካብዚ ኣብ ገነት ዘሎ ዕፀዋት ኣይትብልዑ’ዶ ኢልኩም እዩ፧’ ኢሉ ምስ ሓተታ፣ ንሳ ድማ ‘ይቤለነ ኢትብልዑ እምኔሁ ወኢትልክፍዎ ከመ ኢትሙቱ/ ምእንቲ ኸይትሞቱ ካብዚ ኦም በለስ ከይትበልዑ፡ ከይትትንከፍዎ ድማ በለና’ በለቶ። (ዘፍ. 3፡3፣ ኩፋ. 4፡24)። ነዚ መልሲ’ዚ ምኽንያት ገይሩ ንኣዳምን ሔዋንን ሕጊ እግዚአብሔር ጥሒሶም ዕፀ በለስ ከም ዝበልዑን ምስ እግዚአብሔር ከም ዝበኣሱን ገበሮም። በዚ ኸኣ እቲ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚአብሔር ኣብኣቶም ተፈጸመ። መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፣ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ከኣ ተፈርዶም። ስለዚ ጥንተ ኣብሶ ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ‘ብሰንኪ ሕጊ ምፍራስ ዝሰዓበ መርገም ወይ ድማ ዝተዋህበ ፍርዲ እዩ።’

ተውሳክ፡ . . .ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን (ቀዳማይ ክፋል)

ምሥጢረ ተክሊል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ተክሊል

ብቓል ኪዳንን ቡራኬን፡ ብጸሎተ ተክሊልን ሥጋኡን ደሙን ክልተ ዝነበሩ ዓቅመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ዓቅመ ሔዋን ዝበጽሐት ጓል ኣንስተይትን ሓደ ዝኾንሉ ምሥጢር፡ ምሥጢረ ተክሊል ይበሃል። “እዚ ምሥጢር’ዚ ዓቢይ እዩ” (ኤፌ. 5፡32) ከምዝብል ብጸሎተ ተክሊልን ጸሎተ ቅዳሴን ዝፍጸም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ፡ ብምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ክርስቲያናዊ መርዓ እዩ። ንጸሎተ ተክሊል ተኸቲሉ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ መርዓውቲ ሥጋኡን ደሙን ይቕበሉ። (ፍት. መን. 24፣ ቍ. 899)

መርዓ ዝተጀመረ ብፍቓድን ቡራኬን እግዚአብሔር እዩ። . . . 

ተውሳክ፡ . . . ምሥጢረ ተክሊል

ምሥጢረ ቀንዲል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

ምሥጢረ ቀንዲል

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እትግልገለሎም ሾብዓተ ምሥጢራት፡ እቲ ሓደ ምሥጢረ ቀንዲል እዩ። እዚ ምሥጢር’ዚ ነቲ ካብ ጽሩይ ተኽሊ ኣውሊዕ ዝተረኽበ ዘይቲ ተቐዲሱን ከቢሩን ኣብ ሕሙማን ብምቕባእ ዝፍጸም ምሥጢር እዩ። ቀንዲል፦ ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን፡ ፈውሰ ሥጋን ፈውሰ ነፍስን ዘውህብ ቅዱስ ቅብኢ እዩ። እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሥረቶ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝመሃርዎን ዝሠርሕሉን መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ምሥጢረ ቀንዲል

ምሥጢረ ክህነት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ  አምላክ!

ምሥጢረ ክህነት

ምሥጢረ ክህነት ዓቢይ ምሥጢር’ዩ። ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ዘለዎ፣ ነቶም ካልኦት ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር . . . እግዚአብሔር ዝመሥረቶ እዩ።

‘ካህን’፦ ማለት ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ፣ ናይ ሕዝቢ መንፈሳዊ መራሒ፣ መምህር፣ ኣቦ እዩ። ‘ክህነት’ ዝብል ከኣ ካህን ምዃን፣ መንፈሳዊ ሢመት ምቕባል፡ ምግልጋል የመልክት። ሥልጣነ ክህነት፦ ንኵሉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ንዝተጠምቀ ክርስቲያን ዝዕደል መንፈሳዊ ሢመት ዘይኮነስ ብፍቃደ እግዚአብሔር ብኣንብሮተ እድ ብፁዓን ጳጳሳትን ጥራይ ዝወሃብ መንፈሳዊ ሥልጣን እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ምሥጢረ ክህነት

ምሥጢረ ንስሓ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ንስሓ

“ጻድቅ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ከኣ ይትንሥእ” (ምሳ. 24፡16)

ንስሓ ማለት ብዝሠርሕዎ ኃጢኣት ምጥዓስ ናብ ገቢረ ኃጢኣት ዘይምምላስ እዩ። “ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኾይኑ ዘይነክስ የልቦን” ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ውን ኣብ መልእኽቱ “ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ’ውን ኣባና የለን” ከምዝበለ ክርስቲያን ብኃጢኣት እንተወደቐ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት፡ በደል ኣብ ልዕሊ በደል ክውስኽ ዘይኾነስ ቐልጢፉ ብንስሓ ኪትንሥእ ይግባእ። (1ይ ዮሓ. 1፡8) ነዚ እዩ ኸኣ “ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይትንሥእ” ዝተባህለ።

ተውሳክ፡ . . .ምሥጢረ ንስሓ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195