banner

ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

ዕለት 02 - 06 / 09/ 2019 ካብ ኵለን ኣካላት ፋይናንስ ሃገረ ስብከታትን ኮሌጃትን ትካላትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተዋፅኡ 18 ሰባት ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

ተውሳክ፡ . . . ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

ሽዱሽተ ወርኃዊ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ተኻዪዱ!

ሽዱሽተ ወርኃዊ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ተኻዪዱ!

01 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም. ናይ ሽዱሽተ ወርኂ ጸብጻብን መጻኢ ውጥንን ናይ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኵለን ሃገረ ስብከታትን ዝቐረበሉ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻዪዱ። 

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ብፁዓን ኣቦታት ምስ ተኸፍተ፡ ኣቐዲመን ኵለን ሃገረ ስብከታት ኣብ ሃገረ ስብከተን ዝተዓሙ ንጥፈታትን ዘጋጥሙ ጸገማትን መጻኢ ውጥናተንን ብዝርዝር ኣቕሪበን። ብሓፈሻ ሃገረ ስብከታት ሕጽረት ሰበኽቲ ወንጌልን ጥርናፈ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ከምኡ’ውን ድኽመታት ኣብ ብቕዓት ውሉደ ክህነትን ጕስነት ምእመናንን ከም ዘለወን ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪበን።

ተውሳክ፡ . . . ሽዱሽተ ወርኃዊ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ጉባኤ ተኻዪዱ!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 30 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ግ ኣብ ህሉው ኵነታት ምኅደራ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበርን ዘተኮረ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ሥልጠና ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ተዋሂቡ!

ሥልጠና ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ተዋሂቡ!

ካብ 26 ነሓሴ ክሳዕ 30 ነሓሴ 2011 ዓ.ም. ብዛዕባ ዕቃበ ብራናታትን ንዋየ ቅድሳትን ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ሥልጠና ተዋሂቡ።

እዚ ብፕሮፌሰር ኣሌክሳድሮ ባውዚ ዝተመርሑ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቦርግ ጀርመን ዝመጹ ሽዱሽተ ክኢላታት ዝተዋህበ ሥልጠና፡ ብሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ኮይኑ ዝያዳ ኣብ ሃይማኖታዊ ቅርሲ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ተውሳክ፡ . . .ሥልጠና ማይክሮ ፊልምን ካታሎግን ተዋሂቡ!

ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፡ ካብ ኣምላኩ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ብዕለት 24 ነሓሴ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱሳን መላእኽት እናዘመሩ ንነፍሱ ክቕበልዋ ከለዉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣክሊለ ጽድቅ ሂቡ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎ።

በዚ መሠረት፡ ዓመት መጽአ ዝክረ ዕረፍት አቡነ ተክለሃይማኖት 24 ነሐሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክዝከር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ አቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን (ቁሸት) ብድሙቕ መንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ።

ካብ ድሮ’ቲ በዓል ጀሚሩ ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀጺሉ’ውን መምህራን ሊቃውንት፡ ተማሃሮ ደቀ መዛሙርት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ .. .. ..

ተውሳክ፡ . . . ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ብዕለት 22 ነሓሴ 2011 ዓ.ም. (28/08/2019 ፈ.)፦ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤኡ ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ኣስፊሑ ተዘራሪቡ።

በዚ መሠረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን (ቃለ ዓዋዲ) ኤርትራ ብዘማእከለ ኣገባብ፣ ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊን ዓበይትን ንኡሳን ጉባኤታትን ቀኖናተ ቤተ ክርስቲያን ብምምርማር፣ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ንዝግልገላሉ ሕጋጋት ብምንጽጻር፣ ምስ ህልዊ ዓቕምን ኵነታትን ቤተ ክርስቲያንና ዝሳነ ኣማኸርቲ ሕጊ ዝርከብዎም ካብ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ማለት ካብ ገዳማውያን፣ ሊቃውንት፣ ውሉደ ክህነት፣ ምእመናን፣ መንእሰያት ትምህርተ ሰንበት ተዋፂኡ ሓደ ኮሚተ ክቐውም እሞ ንሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣርቂቑ ጸብጻባቱ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከቕርብ ተሰማሚዑ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195