
ክብረ በዓል ቅዱስ ሩፋኤል 3 ጳጕሜን ብውዳሴን ቅዳሴን ብድምቀት ተኸቢሩ።
3 ጳጕሜን ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ኵለን አብያተ ክርስቲያን ብስብሓታትን ጸሎተ ሰዓታትን ክኸብር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን ቤት መኻእ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነትን ብኣሽኃት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብኽብሪ ተባዒሉ።
ዋዜማ ሰዓት 12፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተደዊሉ ክሳዕ ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ. ተቘይሙ። ምሸት ሰዓት 8፡00 ክሳዕ ወጋሕታ 6፡20 ምሉእ ለይቲ ተቘይሙ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ካብ 6፡30 ቅ.ቀ. ክሳዕ 8፡45 ቅ.ቀ. ተሠሪዑ። ዑደተ ታቦት ተገይሩ፡ ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን ሠለስተ ለዘብ ኣስሚዖም። ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ድማ ብወገኖም ሠለስተ መዛሙር ዘሚሮም።
ቀጺሎም መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ፡ ተራዳእነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል፡ ክብሪ ካህን መልከ ጼዴቅን ነገረ ምጽኣትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ ምዕዳን ሂቦም።
ኣብ መወዳእታ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ቃለ ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተዋህበ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ብኽብሪ ነቢሩ። በዚ ኸኣ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።