በዓለ ጥምቀት 11 ጥር 2011 ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ ዝኽበር፡ በዓለ ጥምቀት 11 ጥር ሎሚ ዓመት 2011’ውን ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ ዝኽበር፡ በዓለ ጥምቀት 11 ጥር ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም)፦ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዋና አመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማት ገዳማውያን፡ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ።

ኣብ ዋዜማ’ቲ በዓል፡ ናይ ኣብ ኣሥመራ ዝርከባ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያን ታቦታት ብልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ካህናትን ዲያቆናትን እናተመርሑ፡ ሊቃውንት መዘምራን ውሉደ ክህነት ብያሬዳዊ ዜማ እናኣዝየሙ፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብዝተፈላለየ መዛሙር፡ ኣቦታት ብጣቕዒትን ኣዴታት ብዕልልታን ውዳሴን ብሓፈሻ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያን እናተዓጀቡ ኣብ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም) በጺሖም።

እዚ ኸኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝወረዶ ንምዝካር ኮይኑ ናይዚ ምሳሌ ድማ ታቦት ዝተሰከሙ ካህናት ብቅዱስ ዮሓንስ፡ እቲ ናብ ማየ ጥምቀት ዝወረደ ታቦት ድማ በቲ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝኸደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይምሰል።

ብመሠረት መርሓ ግብር ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ፡ ታቦታት ኣብ ዝተዳለወሎም ድንኳን ተቐሚጥም። 

ካብ ሰዓት 7፡00 – 9፡00 ድ.ቀ. ብተኸታታሊ ብዝተፈላለዩ መምህራንን ደቀ መዛሙርትን ሰፊሕ ትምህርቲ ክወሃብ ኣምስዩ። ብዛዕባ ትርጕም ጥምቀት፡ ጥምቀተ ክርስቶስ፡ ኣበዓዕላ በዓለ ጥምቀት፡ ንሕና እንታይ ንመሃር፧ ሓደ መምህር ድኅሪ ሓደ መምህር እናተቐባበሉ ዓሚቑን ረቂቕን ቃለ እግዚአብሔር ምሂሮም። 

ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ናብ 11 ጥር ዘውግሕ ለይቲ፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ያሬዳዊ ማኅሌትን ስብሓታትን ከብጽሑ ከለዉ፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ብጸሎትን ምህለላን ነቒሖም ኃዲሮም።

ካብ ሰዓት 5፡00 – 7፡30 ቅ.ቀ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ፡ ናብቲ ብተምሳል ማየ ዮርዳኖስ ዝተዳለወ ማየ ጥምቀት ኵሎም ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ከቢቦም፡ ውዳሴ ማርያም ደጊሞም፡ ጸሎተ ቅዳሴን ጸሎተ ኪዳንን ኣብጺሖም። 

ብድኅር’ዚ ሠለስተ ዲያቆናት ‘ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሪሁ ኣድባር አንፈርዓጹ ከመ ሐራጊት/‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ’ ኢሎም ብስብከት ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ካብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ተነቢቡ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ድማ ብያሬዳዊ ዝማሬ ነቲ በዓል ኣማዕሪጎሞ።

ኃላፊ ስብከተ ወንጌል መሪ. ስምዖን በየነ ብወገኖም ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቦም። መሪ. ስምዖን በየነ ኣብ ትምህርቶም እዚ ዕለት’ዚ ኃጢኣት ኣዳም ዝተደምሰሰሉን ምሥጢረ ሥላሴ ዝተጋህደሉን ምዃኑ ድኅሪ ምግላጽ ንሕና በዓለ ጥምቀት ከነኽብር ከሎና ፍጹም ትሕትናን ፍቕርን ክህልወና፡ ንሥነ ምግባር ክንተግህን በዓልና ብመንፈሳውነት ከነኽብርን ኣዘኻኺሮም። 

ቀጺሎም ብፁዓን ኣቦታት ‘አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ነቲ ማየ ጥምቀት ምስ ባረኽዎ፡ ንዅሉ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ንበረኸት ተነጺጉ። 

ሊቃውንት መዘምራን ኣብ ቅድሚ ታቦታት ‘ኃዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር ገብአ ወወፅአ በሰላም’ ዝብል ለዘብ ምስ ኣሸብሸቡ፡ ብቡራኬ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ሥነ ሥርዓት ሰዓት 10፡30 ቅ.ቀ ተዛዚሙ።

ብድኅር’ዚ ታቦታት ከከም ኣመጻጽእኦም ብኽብርን ምዕሩግ ሥነ ሥርዓትን ነናብ ቤተ ክርስቲያኖም ተመሊሶም።