ክብረ በዓል ቅድስት ሰማዕት ድምያና ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ቅድስት ሰማዕት ድምያና ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ!

ሰማዕት ቅድስት ድምያና፡ ሠለስተ ሰማያውያን ኣኽሊላት ማለት፡ ናይ ድንግልና፡ ናይ ትዕግሥትን ሰማዕትነትን ኣኽሊላት ዝተቐበለትሉ ዕለት 13 ጥር ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና፡ ዕለት 13 ጥር 2011 ዓ.ም. ንመበል ካልኣይ ጊዜኡ ተኸቢሩ።

ኣብ’ቲ ብድሮ ድኅሪ ቀትሪ ብዋዜማ ጀሚሩ ለይቲ ብማኅሌት ዝቐጸለ ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ድምያና፡ ብዙኃት ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት ክሳተፉ ከለው ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ናይ ኣሥመራ ዝመጹ ምእመናንን ምእመናትን‘ውን ካብ ዝኃለፈ ዓመት ብዝዛየደ ቍጽሪ ተሳተፍቲ በዓል ኮይኖም።

ድኅሪ እቲ ማእሰር ኵሉ ጸሎታት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ታቦት ዘይሩ ኣብ መንበሩ ቦታ ምስ ኃዘ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ “ምንተኑመ ትርአዩ ወፃዕኩም ገዳመ” ማቴ. 11፡7 ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ታሪኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያናን 40 ደናግል ሰማዕታትን ብምዝማድ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ሂቦም። ገዳም ምንጋድ ንአእምሮ ሰላም ዝህብ ፍልጠትን ጥበብን ድማ ዝጽጉ እዩ‘ሞ ኣብ’ዚ መጺእና ሰላም ክንረክብ፡ ካብ እመዋት ናይ’ዚ ደብሪ ድማ ጥበብን ክእለትን ንምዕዛብን እዩ። ስለዚ ኣበዋትን እመዋት ገዳማትና ስለ ቤተ ክርስቲያኖምን ሕዝቦምን ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ዝነብሩ ከም ምዃኖም መጠን ኵሉ ክርስቲያን ብሥጋ ዘድልዮም ናብዮት ክገብረሎም ይግባእ” ብምባል ቃለ ምዕዳን ኣስሚዖም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከልን ዝመርሕዎ ጸሎት ምህላ ምስ ተገብረ ታቦት ኣብ መንበረ ክብሩ ተነቢሩ።

ነዚ ክብረ በዓል ንምብዓል ካብ ዋዜማ ክሳብ ፍጻሜ ዘገልገልዎ ውሉደ ክህነት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ገዛ ባንዳ ምስ ማኅበረ ምእመናንን ምእመናትን እቲ ከባቢ ኮይኖም ነጋድያን ኣብ ምእንጋድ ዘርኣይዎ ዕዮ ብስም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብብፁዓን ኣቦታትን እመዋት ደብረ ደናግልን ምስጋና ቀሪብሎም።

ብምክንያት እዚ በዓል‘ዚ ኣብ’ቲ ደብሪ ንሠለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ መንፈሳዊ ምርኢት ኢደ ጥበባት ብብፁዓን ኣቦታት ተከፊቱ፣ ብርክት ዝበሉ ንዋያተ ቅዱሳን ድማ ንዕዳጋ ቀሪቦም።

ብድንግልናዊ ሕይወት ክነብራ ዝመረፃ፡ ብጽኑዕ መንፈሳዊ ገድልን ብምናኔ ሥርዓተ ምንኵስናን እናተመርሓ ንእግዚአብሔርን ንቅድስት ቤቱን ብቅንዕናን ትግሃትን ዘገልግላ መነኮሳያት ዝነብራሉ ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ መጀመርታ ገዳም ደቀ ኣንስትዮ ፡ ‘ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና’ ብዕለተ ሰኑይ 13 ጥቅምት 2010 ዓ.ም. ከምዝተገደመ ይፍለጥ።