ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ዝበዓል ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ወኢየሉጣ 15 ጥር 2011 ዓ.ም. ብስሙ ኣብ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ማይ ጭሖት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶስክ ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማትን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።


ኣቐዲሙ ብዝወፀ መርሓ ግብር፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ናብ ሰማይ ብተመስጦ ዝወስድ ያሬዳዊ ስብሐተ እግዚአብሔር ክዝምሩን ከሸብሽቡን ከለዉ፡ ቀጺሎም ለይቲ ድማ ብማኅሌተ መላእክት ንጸልማት ብፀዳለ ስብሐተ ብርሃን ኣብሪሆሞ ኃዲሮም።

ንግሆ ረፋድ ድማ ብብፁዓን ጳጳሳት ተዓጂቡ፡ ልብሰ ተክህኖ ብዝለበሱ ቤተ ክህነትን መዘምራንን ማዕሪጉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸር ሕዝበ ክርስቲያን ተሰንዩ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን “ዘንጉሥ ሄጣ ጸለየ ላቲ ወልዳ ተዝካሮሙ ንግበር ለቂርቆስ ወኢየሉጣ” እናበሉ ኣሸብሺቦም። ብወገኖም ተመሃሮ ትምህርት ሰንበት ነቲ በዓል ዝሰማማዕ ሠለስተ መዛሙር ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ሰባኬ ወንጌል ናይቲ ደብሪ መሪ. መርሃዊ በየነ ምስ ታሪኽ ሕፃን ቂርቆስ ወኢየሉጣ ኣታኣሳሲሮም ስብከት ወንጌል ምስ ኣስተምሃሩ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ቃለ ምዕዳንን ጸሎተ ቡራኬን ሂቦም ‘ሰላመ አብ’ ተባሂሉ ታቦት ሕግ ብክብሪ ናብ መንበሩ ኣትዩ ።

ክብረ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ ምስ እሙ ኢየሉጣ ኣብ ጾመ ድኅነት ረቡዕ ብምውዓሉ ጸሎተ ቅዳሴ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት ሠለስተ ተሠሪዑ።

ናይዚ በዓል ምኽንያት ዝኾኑ፡ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተፀምዱ ኣደን ውሉድን ጣዖት ብዘይ ምስጋዶምን መሥዋዕት ብዘይ ምቕራቦምን ብዙኅ መከራ እኳ እንተ በጽሖም፣ ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሎም፡ ብሰማዕትነት ኃለፉ።

እምበኣር ሎሚ’ውን ኣብዞም ሥድራ ኃዲሩ ክብሩ ንኽገልጽን ስሙ ንኽምስገንን ዝፈቀደ ጐይታ፡ ካብ ኵልና ካብ ዓቢይ ኮነ ንእሽቶ፡ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ጽንዓት ሃይማኖትን ሠናይ ምግባርን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኽሊል ጽድቂ ክቕበል ከም ዝጽበየና ንመሃር።