በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ተኸቢሩ!

በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 21 ጥር፡ ‘ኣስተርእዮ’ እናተባህለ ዝኽበር በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ብዝማሬን ማኅሌትን፡ ብቅዳሴን ውዳሴን፡ ብሓፈሻ ብመንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተባዒሉ። ብፍሉይ ንምጥቃስ ግና ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባጽዕ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ማእከል ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ኃላፊ ክፍሊ ወፃኢ ጉዳያትን ንግደት ኢየሩሳሌምን ቀሲስ በረከት ኪዳነ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣመኃዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብርጋዴል ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣመኃዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ኃይለ ኣስፍሓ፡ ካልኦት ኣካላት መንግሥት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ድምቐት ተባዒሉ።


ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ናብ 21 ጥር ዘውግሕ ለይቲ ንእግዚአብሔር ዘመስግን፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝውድስ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ’ውን ብኽብሪ ተዓጂቡ ታቦት ዘይሩ። ጥዑማነ ልሳን ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም ምስ ወረቡ፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ከኣ መዝሙር ምስጋናን ጸሎትን ኣቕሪቦም። ቀጺሉ ነቲ በዓል ዝምልከት ስብከተ ወንጌልን ብሊቀ ካህናት መልኣከብርሃን ገብረፀሓይ ምስ ተዋሕበ፡ ብብፁዓን ኣቦታት ቃለ ቡራኬ ተዋሂቡ፡ ብጸሎተ ምህላ እቲ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ከምኡውን ቅዱስ ኣቡነ ዮናስ 'አብዕሉ በዓለይ ምስ በዓለ ዕረፍታ ለእግዚእትነ ማርይም' ብዝበልዎ ቃል መሠረት ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያምን ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።

ከምዝፍለጥ እዚ በዓል’ዚ ነቲ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸሉ ጊዜያት ንኸመልክት ደኣ ‘ኣስተርእዮ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ እምበር፡ ብቐንዱ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ሠላሳን ዓርባዕተን ዓመት ኣብ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተን ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

ስለዚ እዚ በዓለ ዕረፍት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብዘይካ ብኣረማዊ፡ ከሓዲ፡ መናፍቕ፡ ኣይሁዳውን ኣጋንንትን እንተዘይኮይኑ ብዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ክብርን ዝበዓል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ነገረ ማርያም ምስ ነገረ ድኅነት ዚተተኃኃዘ ዓሚቕ ምሥጢር ስለዘለዎ እዩ። ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ቅዳሴና ውዳሴና፡ ማኅሌትና መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና ትውፊትና፡ መዓልታዊ ጕዕዞናን ናብራናን ብዛዕባ ነገረ ማርያም ንገልጽን ንሰብኽን።

በረከታ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!