8 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት አሥመራ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ 5 ብመዓርገ ክህነት፡ 61 ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሞም!

8 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት አሥመራ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ 5 ብመዓርገ ክህነት፡ 61 ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሞም!

ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. 8 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት አሥመራ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን(ቲራቮሎ) ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ 5 ዲያቆናት ብመዓርገ ክህነት 61 ተማሃሮ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ሠይሞም!

ኣብዚ ኃላፊ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነትን ሥድራ ቤት ተሠየምቲን ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ሢመት ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝግባእ ጸሎት በጺሑ። ኵሎም ተሠየምቲ ድማ ሓደ ብሓደ ጸሎተ ቡራኬ ምስ ተቐበሉ ብሓባር ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ቃለ ማሕላ ፈጺሞም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፦ “ነዛ ክርስቶስ ብደሙ ዝዓደጋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኃይልን ጽንዓትን ኮይኖንኩም ብትግሃትን ትሕትናን ኣገልግሉ” ኢሎም። ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ብወገኖም፦ “እዛ ዕለት’ዚኣ ረዚን ኃላፍነት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰከምኩምላ ዕለት እያ’ሞ የማን ጸጋም ከይበልኩም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ክትጸንዑ ይግበኣኩም” ብምባል ምዒዶም።

እዞም ዝተሠየሙ 61 ዲያቆናትን 5 ዝተቐብኡ ካህናትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማትን ኣብያት ክርስቲያንን ተወሲኖም ትምህርተ ሃይማኖት ዝተማህሩን ብግቡእ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዘጽንዑን ኮይኖም ብመምዘኒ ብቕዓት ትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ዝተመስከረሎም እዮም።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብመሠረት ቃለ ኣዋዲ ኣንቀድ 74-75 ኣብ ተልእኾን ጕስነትን ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ንመንፈሳዊ መዓርጋት ብብእዋኑ ከም ትሠይም ይፍለጥ።